Thursday , April 25 2024
The Health and Social Care Inspectorate is very critical of the fact that a child in Småland has had to sit daily with his hands and feet strapped to a short-term activity. Foto: Stina Stjernkvist / TT Kod 11610

ቆልዑት ብገመድ ተኣሲሮም . . . ናይ ሓጺር እዋን መዕቆቢ ኣባይቲ፡ ተሪር ነቐፌታ ዘኒብዎም

ኣብ ስሞላንድ፡ ንሓጺር እዋን ከም መዕቆቢ ገዛ ኮይኖም ኣብ ዘገልግሉ ዝነብር ዝነበረ ሓደ ኣካለ ስልንኩል ቖልዓ፡ ብተደጋጋሚ እእዳዉን ኣእጋሩን ይእሰር ከምዝነበረ ተቓሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ጉዳይ፡ ካብ ተቆጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ ሓልዮትን (Health and Social Care Inspectorate- Ivo) ተባሂሉ ካብ ዝፍለጥ ትካል ዓቢ ኣተኩሮ ረኺቡ ምህላውን እዚ ትካል ነዚ ኣመልኪቱ ተሪር ወቐሳታት ከምዘመሓላለፈን ስሞላንድስ-ቲድኒንየን ዝባሃል ማዕከን ጋዜጣ ኣቃሊሑ።

ሰብ-መዚ እቲ መዕቆቢ ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ነዚ ቆልዓ ምሕጋዝ ዝከኣለሉ ኣማራጺ ኣገባባት ከም ዘይነበረ እዮም ዝገልጹ። እዚ ውጥረት ክፍጠር ዝኸኣለ፡ እቲ ቖልዓ ብመንበር ዓረብያ ናብ ደገ ክውሰድ ከሎን ናብ ሽቓቕ ኣብ ዝኸደሉ እዋንን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እዞም ተግባራት፡ ነዊሕ ሰዓታት ይወስዱ ከምዝነበሩ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ቖልዓ ከመይ ብዝበለ ኣገባብ ኣገልግሎት ይግበረሉ ከምዝነበረ ብዝምልከት IVO ጥርዓን ከምዝበጽሖ ተፈሊጡ’ሎ። ደሕሪ’ዚ እቲ ተቆጻጻሪ ትካል፡ ካብቲ ዝምልከቶ ምምሕዳር ሓላፍነት ክወስድ ምስ ዝኽእል ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝነጥፍ ክኢላ ርክብ ፈጢሩ። እዚ ብምዃኑ ድማ፡ እቲ በቲ ወሃብ ሓበሬታ ዝተረኽበ ጸብጻብ ክራጎድ ክኢሉ’ሎ ተባሂሉ።

IVO ኣብ ውሳኔኡ ከም ዘፍለጦ እንተድኣ ኾይኑ፡ እቲ ኣገባብ ኣተሓሕዛ፡ ብህጹጽ ደው ክብል ከም ዘለዎ እዩ። እዚ ኩነታት ብመሰረት እቲ ‘ንስንኩላን ሰባት ዝሕግዝን ኣገልግሎት ዝህብን መስርሕ’ (Act on Support and Service to Certain Disabled Persons) ዝተኸልከለ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣንጻር እቲ መሰላት ናይ ኣካል ስንኩላን ሰባት (Rights of Persons with Disabilities) ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ UN ኮንቬንሽን ዝጥሕስ ከም ዝኾነ እዩ ዝፍለጥ።

እቲ ዝምልከቶ ቦርድ “እቶም ኣብ ልዕሊኡ ክውሰዱ ተሓሲቦም ዘለዉ ስጉምቲታት ደው መታን ክብሉ ምስቶም ዘለዉ ሕግታት ክቃዶ ይግባእ” ክብል IVO ይገልጽ።

ከምቲ ዝቐረበ ጥርዓን እንተኾይኑ፡ እቲ ቖልዓ ኣብ ገዝኡ ከይተረፈ በቶም ክሕግዝዎ ዝተመደቡ ሰባት ብተመሳሳሊ መልክዕ ክቕየድ ይግበር ከም ዝነበረ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ። IVO ኣብ ልዕሊ’ዚ ጥርዓን’ውን እንተኾነ መርመራ ዘካየደ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ግና ገና ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ከም ዘይተገለጸ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com