Thursday , April 25 2024
Foto: Stina Stjernkvist / TT Kod 11610

ቆልዑ ሽወደን ቋንቋ እንግሊዝ ብዝያዳ ይጥቀሙ ምህላዎም ተገሊጹ።

ሓደ ማሕበር መማህራን ኣብ ዘሕተሞ መጽሔት ቆልዑ ሽወደን ቋንቋ እንግሊዝ የዘውትሩ ምህላዎም ገሊጻ።

ካብ ቅድመ ትምህርቲ ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ዘለዉን ካብ ዝተፈላለየ ናይ ቋንቋ ድሕረ ባይታ ዝመጹን  ቆልዑ ንሓድሕዶም ንምርድዳእ እንግሊዝኛ ከዘውትሩ ይረኣዩ ምህላዎም እታ መጽሔት ኣረዲኣ’ላ።

ናይዛ ኣብ ጒዳያት ቋንቋ ፍሉይ ተገዳስነት ዘለዋ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ዝኾነ ኣንደርስ ስቨንሰን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “በዚ ተርእዮ ቋንቋ ሽወደን ኣብ ሓደጋ ኣይኣተወን። ቋንቋ ሽወደን ኣብ ናይ ባዕሉ ፍልቀት እዩ ዘሎ፡ እንግሊዝኛ እውን ጸላዊ ምዃኑ ክቕጽል እዩ” ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com