Saturday , April 20 2024

ቆንስል ሕጊ ሽወደን Lagrådet ን “ሓድሽ ሕጊ ግብረሽበራ” ይነጽጎ።

ቆንስል ኣማኻሪ ሕጊ ሽወደን Lagrådet ሎሚ መንግስቲ ንዘቕረቦ ንሓድሽ ንድፊ ሕጊ ግብረሽበራ፡ ገሊኡ ዓንቀጻቱ ብሕጊ ንዝጸደቐ ናጽነት ምውዳብ ዝጻረር እዩ ብምባል ውዱቕ ጌርዎ ኣሎ።

ብተወሳኺ እቲ ቆንስል ኣብያተ ፍርዲ እቲ ሕጊ “ሓፈሻዊን ዘይንጹር ገበናዊ ጒዳያት” ዘለዎን ብምዃኑ ብመሰረት እቲ ቆንስል ውሳነታት ከመሓላልፋ ክሽገራ እየን ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ኣብ መወዳእታ ለካቲት ብ Stephan Leuven ዝቐረበ ሓድሽ ንድፊ ሕጊ ግብረሽበራ ኩሎም ዓይነታት ተሳታፍነትን ምትሕብባርን ምስ ውድባት ግብረሽበራ ብሕጊ ዘሕትቱ ክኾኑ እዮም።

እዚ ንድፊ ኣብዚ ጽድያ ናብ ባይቶ ክቐርብን ክሳብ ነሓሰ ድማ ተግባራዊ ከም ዝኸውንን ትጽቢት ይግበረሉ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ግብረሽበራ ብፍላይ ድሕሪ ናይ ሚያዝያ 4 2017 ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ስቶክሆልን ኣብ ባይቶ ካብ ዘለዋ ሰልፊታት ሰፊሕ ድጋፍ ከም ዘለዎ ይንገረሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com