Thursday , April 25 2024

ቋንቋ ስዊድን ባዕልኻ ትመሃረሉ ኣገባብ ትድሊዶ?

ኣብ ሽወደን ይኹን ካልእ ሃገር ሓድሽ ህይወት ምጅማር ናይ ባዕሉ ጸገማት ኣለዎ።

እቲ ዝያዳ ንጹር ጸገም ከኣ ሽግር ቋንቋ እዩ።

ነዚ ክትዋጽኣሉ እትኽእለሉ እንኮ መንገዲ ትምህረቲ እዩ።

ግና ብኸመይ ኣገባብ?

ካብ ክፍሊት ናጻን እናተዘናጋዕካን ባዕልኻ ቋንቋ ሽወደን ኦንላይን እትመሃረሉ ኣገባብ ካብ ማንም ካልእ ሜላ እቲ ዝቐለለ እዩ።

Informationsverige.se ዝተባህለ ዌብሳይት ንመጻእተኛታት ብዛዕባ ሽወደንን ህዝባን ካብ እኹል ንላዕሊ ሓበሬታ ኣለዎ። ብዘይካዚ ናጻን እናተዘናጋዕካን ባዕልኻ ቋንቋ ሽወደን ኦንላይን እትመሃረሉ ኣገባብ ኣተኣታትዩ’ሎ።

ገለ ካብቲ ዕዙዝ ረብሓታቱ

  1. ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ።

ናብ ሽወደን መጀመርታ ምስ መጻእካ ብዙሕ ወጻኢታት ዝጠልቡ ነገራት ክትረክብ ኢኻ። ንኣብነት መለለዪ ወረቐት፡ ሓድሽ ውዕል ቴሌፎን፡ ብሮድባንድ ከምኡ’ወን ክራይ ገዛ ኣለዉ። እዚን ካልእን ብዙሓት ምሕደራታት ወጻኢታት ዝሓቱ እዮም። ብመንገዲ Informationsverige.se ቋንቋ ሽወደን ምምሃር ምንም ወጻኢ ኣይሓትትን እዩ። ናጻ እዩ። ብዘይ ምንም ወጻኢ ኣገዳሲ ሞያ ክትቀስም ትደሊዶ? ብዘይጥርጥር ብዙሕ ረብሓታት ክትረኽበሉ ኢኻ።

2. ብብዙሓት ቋንቋታት ይርከብ።

Informationsverige.se ንባዕሉ ብብዙሕ ቋንቋታት እንተላይ ፈረንሳይኛ ዓረብኛን ዳሪን  ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ነቲ ሽወደንኛ ተመሃር ዝብል ሸነኽ’ውን ይጠቅም እዩ። Informationsverige.se ንኽትርክብ ኣብዚ ጠውቕ።  እዚ ዌብሳይት ብቐሊሉ ተረካቢን ቀሊልን እዩ። ብፍላይ ድማ ብገዛእ ቋንቋኻ ዝርከብ ምዃኑ ኣዝዩ ዝቐለለ ይገብሮ። ነዚ ዌብሳይት ናብ ገዛእ ቋንቋኻ ብምትርጓም ንዝተረፉ ክፍሊታት እቲ ዌብሳይት ብምልኣት ፈትሾ። ኣብ ሽወደን ነገራት ብኸመይ ይካየዱ ብዝርዝር ክትፈልጥ ኢኻ። እዛ ዌብሳይት እትህበካ ረብሓ ንምርኣይ ደጋጊምካ ብጽሓያ።

3. ቀሊልን ብቐሊሉ እትረኽቦን  ዌብሳይት እዩ።

ሓድሽ ጀማሪ ኩን ወይ እትፈልጦ ቃላት ይሃሉኻ ብዘየገድስ እዚ “ሽወደንኛ ተመሃር’ ዝብል ክፍሊ ንፉዕ መላኺ እቲ ቋንቋ ክትከውን ክሕግዘካ እዩ።  ምሉእ ኮርስ ብቐሊሉ ዝርከብ ምስ ምዃኑ ኣብ ቋንቋ ጥራይ ከተተኲርን ኣብ ዘየድሊ ምድንጋር ከይትኣቱን ክገብረካ እዩ።

በቲ ናይ መጀመርታ ክፍሊ ጀምር።

-ሀይ ስቫንካ…ብዛዕባ ግዜ፡ ቤተሰብ፡ መግቢ፡ ክዳን ከምኡ’ውን ካልእ ኣገደስቲ ነገራት እትመሃረሉ ክፍሊ እዩ። እዚ ክፍሊ ግድን ምንባብ እትኽእል ክትከውን ኣይሓተካን እዩ። በዚ ድማ ዝያዳ ብቐሊሉ እትመሃሮ ይገብረካ። ሓድሽ መጻእተኛ ይኹን ወይ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ መጽናዕቲ ቋንቋ ሽወደን እተዋፈረ ሰብ  ኣካል ናይዚ ካሪክሉም እዩ።

4. መዘናጋዕቲ ጽወታታት ቪድዮ እለዉዎ።

ብመጽሓፍ ምምሃር ገለ ግዜ ኣሰልካዪ ክኸውን ይኽእል እዩ። እምበኣር መጽሓፍ ምንባብ ይኣኽለና ሕጂ ቪድዮ ንርአ።  ብፊደላት ንጀምር። እዚ ኩሉ ምናልባት ትፈልጦ ትኽውን፡ ፎርም ምምላእ’ውን ትፈልጥ ትኸውን። እዚ ይኹን እቲ ክትመሃሮ ትደሊ እንታይ እዩ ብዘየገድስ ንዕኡ ዝኸውን ቪድዮ ኣሎና። ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ዘርእዩኻ ሽወደናውያን ኣብኡ ኣለዉ።

5.ኣብ ሓደ ቦታ ብዙሓት እትጥቀመሎም ኣገደስቲ ቃላት ዝህዝ እዩ።

እቲ ላራ ስቨንስካ ዝተባህለ ክፍሊ ዌብሳይት  Informationsverige.se ናይ ቃላት ሽወደን ምፍትሕ ቃላት ኣለዎ። እዚ ብክፍሊ ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለት arbetsformedlingen ዝዝውተር ቃላት እዩ።  እዚ ስራሕ ኣብ ሽወደን ንኽትረክብ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ዘድልዩኻ ቃላት ንምፍታሽ ነዚ ምፍትሕ ቃላት ተወከሶ። ብፍላይ ኣገዳሲ ሰብ ትረክብ እንተዄንካ፡።

6. ምስ ካልኦት ቋንቋ ክትለማመደሉ እትኽእለሉ ኣገባብ ኣለዎ።

ሓድሽ ጥበብ ትለማመድ እንተለኻ ከማኻ ተምሃራይ ምሳኻ ክህሉ ዝመስልዎ የለን። ብዛዕባ ህይወት ሽወደን ክትፈልጥ እንተደሊኻ informationsverige.se ተወከስ። ብኻልእ መንገዲ ምምሕዳር ከተማታት ቋንቋ ምሳኻ ዘጽንዕ ብጻይ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ እዮም። በዚ ድማ ምስ ነባሪ ሰብ ናይ ቋንቋ ልምምድ ምግባር ክትክእል ኢኻ።  ወላዲ እንድሕር ኰንካ ስቨንካ መድ ቤቢ ዝብል ክፍሊ ርአ።  በዚ መንገዲ ካልኦት ወለዲ ብምርካብ ልምምድ ቋንቋ ሽወደን ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ኲነታትካ ብዘየገድስ Informationsverige.se ኩሉ እትደልዮ ሓበሬታ ኣብ ሓደ ምእዲ ክትቅርበልካ እያ።

7. መወዳእታ ኮርስ ምስ እትበጽሕ ምስ ሊንጎ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ።  

ተወሰኽቲ ናይ ሊንጂዮ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ምስናይ መዘናግዒ ጸወታታት ኣለዎ። ብቋንቋ እንግሊዘኛ ዓረብኛ ዳሪ ሶማሊኛን ትግርኛን እናገበርካ ሽወደንኛ ተመሃር። እሩም ኣጸሓሕፋ ብድምጺ ምምሃር ዝርርብን ኣደማምጻን ኣሎ። ድሕርዚ ስዋስውን ካልኦት ኣገባባት ቋንቋ እትመሃረሉ  ሀይ ስቫስንካ ዝተባህለ ፕሮግራም ውን የጠቓልል እዩ። ኣብ ሽወደን ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ዘቀላጥፍ jobskills.se ከሙኡውን መምርሒ ቤተሰብ ኣብ  Informationsverige.se ብዝርዝር ክትረክብ ኢኻ። እዚ ፕሮግራም ስደተኛታት ኣብ ዝኣተዉዎ ሃገራት ሃነጽቲ ዜጋ ንክኾኑ ተባሂሉ ንጠቕሞም እተዳለወ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ነቲ ዌብሳይት ብምብጻሕ ምፍላጥ ይከኣል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com