Friday , April 26 2024
Fredrik Sandberg/TT

ቋንቋ ከም ኣገዳሲ ረቛሒ ሕቶ ዜግነት ክኸውን ሰልፊታት ተሰማሚዐን።

ኣብ መንጎ ሰልፊታት ዴሳዊ ዴሞክራሲ ከባብያዊ ማእከላይን ሊበራላዊን ሰልፊ ሓደ ስምምዕ ተበጺሑ ክትብል ሬድዮ ekot ጸብጺባ።

እዚ ስምምዕ ምምላኽ ቋንቋ ከም ኣገዳሲ ረቛሒ ሕቶ ዜግነት ክኸውን ምህናጽ ሃይማኖታዊ ኣብያተ ተምህርቲ ደው ክብል ከምኡ’ውን ከከራኽር ዝጸንሐ ቀረጽ ዳግማይ ምኽፋል ክቕጽል ዝብል እዩ።

ተንታኒ ፖለቲካ ekot Thomas Ramberg ሶሻል ዲሞክራትን (S) ሚልዮ (MP) ሰልፊታት ነቶም ዓቃባውያንን ክርስትያን ዴሞክራስያውያን (KD) ማእከላይን (C)ሊበራላውያንን (L)ሰልፊታት ክቕርቡሎም ዘይከኣሉ ነገራት እዮም ሒዞም ክመጹ ፈቲኖም።

ንኣብነት ምምላኽ ቋንቋ ሽወደን ኣገዳሲ ረቛሒ ሕቶ ዜግነት ክኸውን ዝብል መምርሒ ኣይተዓወት እምበር ብ ሊበራላዊ ሰልፊ (L)ብዙሕ ክድፈኣሉ ጸኒሑ እዩ።

ብዘይካዚ ሃይማኖታዊ ኣብያተ ተምህርቲ ደው ክብል ኢሎም ተኸራኺሮም ኔሮም ግና ብ ክርስትያናዊ ዴሞክራስያዊ (KD) ሰልፊ ተቓውሞ ገጢምዎ ኔሩ።

ተንታኒት ፖለቲካ Aftonbladet ዝኾነት Lena Mellin ኣብ ትንታኔኣ እዚ ስምምዕ መንግስቲ ኣብ ትግባረ ክውዕል ምቕራቡ ኣመልኪታ።

ፖለቲከኛታት ምቛም መንግስቲ ብምድንጓዮም ብዙሕ ውርደት ይመጾም ከምዘሎን ኣብ ህዝቦም ተወሳኺ እምነት ብምስኣን ዝያዳ ዕዳ ክስከሙ ከም ዘይብሎም ዝበርሃሎም ይመስል ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com