Friday , March 29 2024

ቓኒ ምስ ጣሊባን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክዛተ ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ።

ጣሊባን ምስ መንግስቲ ካቡል ብዛዕባ ሰላም ክዛተዩ ቅሩብነት ከርእዩ ይግባእ ክብል ፕረሲደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ቓኒ ተዛሪቡ።

ቓኒ ነታ ቀንዲ ፖለቲካዊ መዋገዪ ዛዕባ ጣሊባን ኣመልኮቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መንግስቱ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ወተሃደራት ወጻኢ ኣብ ሃገሩ ክሰፍሩ ከም ዘይደሊ ንተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ’ሎ።

እዚ ጻውዒት ሰላም ዝመጸ መንግስቲ ኣመሪካን ጣሊባንን ኣብ ቐጠር ንሽዱሽተ መዓልቲ ድሕሪ ምዝታዮም እዩ።

መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ኣብዚ ዘተ ዘይምስታፉ ድሕሪ ምምራር ብዘይ ሰናይ ድሌት ካቡል ዝመጽእ ሰላም የለን ክብል ኣጠንቂቑ።

እንተኾነ ግና ጣሊባን ንመንግስቲ ካቡል ባምቡላ ኣመሪካ እዩ ብምባል ኣፍልጦን ዘተን ከም ዘይህብሉ ግልጺ ጌሮሞ ኣለዉ።

ኣብዚ ዘተ ዝተሳተፈ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ዛልማይ ኸሊልዛድ ብሰንበት ናብ ካቡል ኣትዩ’ሎ።

ዋላኳ ብዙሕ ስራሕ ዘድልዮ ምዃኑ እንተኣመኑ ኣብዚ ዋዕላ ዝተሳተፉ ክልቲኣቶም ወገናት እቲ ዘተ ኣዎንታዊን ትስፉውን ምንባሩ ገሊጾም ኣለዉ።

ላዕለዋይ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ካቡል ውሳነ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ምትእጒጓሉ ገሊጹ”ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com