Friday , April 19 2024

በራድካ እንታይ ትመስል?

እቲ ኣስተምሃሪ ኣብ ቅድሚ ተማሃሮኡ ደው ኢሉ፡ ናይ ስልጠና ኣቕሑ ሒዙ ቅድሚ ዘረባ ምጅማሩ፡ ሓንቲ ጥርሓ ዝኾነት ዓባይ በራድ ኣምጺኡ ብዓበይቲ ኣእማን ኪመልኣ ጀሚሩ። ብድሕርዚ ነቶም ተማሃሮኡ ሕቶ ኣቕሪቡሎም።

እዛ በራድ ከም ዝመልአት ትርእዩዋዶ ኣሎኹም? ንሳቶም ድማ ኣወንታዊ መልሲ ሂቦም።

ብድሕርዚ፡ ሓንቲ ብጸጸር ዝመልአት ንእሽቶ ሸሓኒ ኣምጺኡ ነቲ ጸጸር ኣብታ በራድ ኣፍሲሱዎ፡ ነታ በራድ ድማ ብሓይሊ ኣነቓኒቑዋ፡ እቲ ጸጸር ድማ ኣብታ በራድ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ኣእማን ኣትዩ ነቲ ሃጓፋት መሊኡዎ። ብድሕዚ ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪቡ፡ እቶም ተማሃሮ ድማ ተመሳሳሊ መልሲ ሂቦም። ብድሕርዚ ብሑጻ ዝመልአት ፌስታል ኣምጺኡ ነቲ ሑጻ ናብታ በራድ ኣፍሲሱዎ። እቲ ሑጻ ነታ በራድ መሊኡዋ፡ ነቲ ኩሉ ዝተረፈ ሃጓፋት ድማ ከዲኑዎ። ሕጂውን ተመሳሳሊ ሕቶ ሓቲቱ ተመሳሳሊ መልሲ ድማ ተዋሂቡዎ። ብድሕርዚ እቲ ኣስተምሃሪ ኣብታ በራድ ቡን ኣፍሲሱ፡ እቶም ተማሃሮ ድማ ኪስሕቁ ጀሚሮም፡ ስቅ ምስ በሉ ድማ እቲ ኣስተምሃሪ ኪገልጸሎም ጀሚሩ፥

  • ሕጂ እምበኣር፡ እታ በራድ ናይ ነፍስወከፍ ሰብ ህይወት ከም እትውክል ክትርድኡኒ እደሊ። እተን ዓበይቲ ኣእማን ነቶም ኣብ ህይወትኩም ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ይውክላ፡ ማለት ከም ክብርታት፡ መትከላት፡ ስነምግባር፡ ስድራቤት፡ ህጻናትን ጥዕናን። እዚኣቶም ኣብ ህይወትኩም ኣገደስቲ ነገራት እዮም፡ ንኩነታትኩምን ንጥዕናኹምን ኣገደስቲ እዮም፡ እዚኣቶም ድማ ብግዴኦም ምስ ዚጕድኡ ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድሩ እዮም። እተን ነኣሽቱ ኣእማን ነቶም ኣገደስቲ ገጻት ህይወትኩም ይውክላ፡ ከም ንኣብነት ብጾትኩም፡ ገዛኹም፡ ማኪናኹምን መንነትኩምን። እቲ ሑጻ፡ ንገለ ከም መገሻታትን ኣቕሑን ወይ ገለ መዘናግዒ ኩነታት ይውክል። ነታ በራድ ኣብ መጀመርታ ብሑጻ መሊእኩምዋ ኔርኩም እንተ ትኾኑ፡ እቲ ንኣገዳሲ ኩነታት ህይወትኩም ዚውክል ጸጸርን ኣእማንን ቦታ ኣይምረኸበን። ኩሉ ግዜኹምን ጻዕርታትኩምን ኣብቲ ነኣሽቱ ነገራት እንተ ተሕልፉዎ፡ ነቲ ዓብን ኣገዳስን ነገራት ቦታ ኣይምረኸብኩምሉን። ስለዚ ንህይወትኩም ኣየናይ ኪቕድም ከም ዘለዎ ክትፈልጡ ይግባእ።

እቲ ኣስተምሃሪ ዘረባኡ ምስ ወደአ፡ ሓደ ካብቶም ተማሃሮ ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ ከምዚ ብምባል ሓቲቱ።

እቲ ቡን እንታይ ከም ዚውክል ኣይኣብራህካዮን?

  • ነዚ ሕቶዚ ብምልዓልካ ደስ ይብለኒ። ነቲ ቡን ኣብታ በራድ ዘፍሰስኩሉ ምኽንያት፡ ሓደ ሰብ ብስራሕ ኣዚዩ ትሑዝ እንተ ኾነውን ምስ ፈተውቱን ብጾቱን ኮይኑ ቡን ዝሰትየሉ እኹል ግዜ ኣለዎ ንምባል እዩ።

ስለዚ እታ በራድካ ከመይ ኢያ እትመስል? ኣብዛ ሓዳሳ ሃገር ዘገድሰካ ነገራትን ድሌታትካን ተለዊጡዶ? ናይ መዓልቲ ሰዓታት ይኣኽለካ ዲዩ? ምስ ብጾትካ ንምርኻብ ግዜ ትስእን ዲኻ? ናይ ሕጂ ህይወትካ ካብቲ ዝሓለፈ ህይወትካ ከም ዚፈላለን እንታይ ከም እተለወጠን ንምርዳእ ፈቲንካ ትፈልጥዶ?

እቲ እተፈላለየ ናይታ ሓዳስ ሃገር ኣከባብያውን ማሕበራውን ረቛሒታት ናብ ካልእ ዓይነት ኣነባብራ ኪመርሓካ ተኽእሎ ኣሎ፡ ግን ሽሕኳ እቲ እትነብረሉ ዘሎኻ ኩነታት ፍሉይ እንተ ኾነ፡ ንህይወትካ ብመሰረትቲ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት፡ ክትእርንቦን ክትወጋግኖን ዕድል ኣሎካ።

ካብቲ ናይ በራድ ምሳሌ፡ ሓደ ሰብ ኣብቶም ኣገደስቲ ነገራት ህይወት ከተኵር ከም ዘለዎ ይምሃር። እታ ናትካ በራድ ነተን ናይ ካልኦት ሰባት በራዳት ክትመስል ኣድላዪ ኣይኮነን። እቲ ንኣኻ ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ዝኾነ፡ ንኻልኦት ሰባት ኣገዳሲ እዩ ማለት ኣይኮነን።

ዚሕግዝ መራኸቢ

ናይታ በራድ ሚዛን ብእተፈላለየ ኩነታት ኪልወጥ ይኽእል እዩ፡ ብፍላይ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ጭንቀት ምስ ዚህልወካ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ሓሳባትካ ይበታተን ትዅረት ድማ ተጥፍእ፡ ብስርዓት ክትውጥን’ውን ኣይትኽእልን። ከምዚ ምስ ዚኸውን፡ ምስቶም ሓይልኻ ንምድልዳልን ነቲ ሓድሽ ኩነታት ንምብዳህን ብኡ ኣቢልካ ድማ ብዝሓሸ መገዲ ንኽትሓስብን ትዅረት ንኺህልወካን ብማለት ቅኑዕ ደገፍ ዚህቡኻ ሰባት ክትራኸብ ይግባኣካ።

ሓደ ሰብ ክፉትን ቅኑዕን ምስ ዘይከውን ተቐባሊ ሓገዝ ድማ ምስ ዘይከውን፡ ሰባት ኪሕግዙዎ ኣይክእሉን፡ ይብል ፋይሳል ኣልቢናሊ፡ ኣብ ቀዪሕ መስቀል ናይ ሀልሲንቦርይ ፕሮጀክት ”ጥዑይ ኣካላት” ወለንተኛ። ንሱ፡ ኣብቲ ምስቶም እትሕግዞም ሰባት ከመይ ጌርካ ብዝበለጸ መገዲ ከም እትዋሳእ ዝኣርእስቱ ኮርስ ተሳቲፉ ነይሩ።

  • እዚ ስልጠና’ዚ ኣብቲ ወለንታዊ ዕማመይ ሓጊዙኒ፡ ነቲ ምስ ካልኦት ዝገብሮ ርክባት ድማ ዝያዳ ክፉትን ውጽኢታውን ገይሩዎ፡ ብፍላይ ነቲ ሓደ ሰብ ብግሉጽን ክፉትን መገዲ ዚብሎ ንምትርጓም፣ እዚ ኸኣ ነቲ ዚውሳእ ዘረባ ከም ዘይጸልዎ ገይሩኒ።

ኩሉ ሰብ ከቢድ ጸገም ከሕልፍ ይኽእል እዩ፡ ስለዚ ካብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሰብ ሓገዝ ይደሊ። እምበኣር ሓደ ሰብ ምስ ሰብ ኪራኸብ ምስ ዚደሊ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ንኺስዕብ ኣገዳሲ እዩ፥

  • ጽን ኢልካ ምስማዕ
  • ተቐባሊ ምዃን
  • ክትረዳዳእ ምጽዓር
  • ኣብቲ ዚብሃል ዘሎ ኣተኵሮ ምግባር
  • ትሰምዕ ከም ዘሎኻ ብምልክት ምሕባር (ኣቓልቦ ምሃብ፡ ርእስኻ ምንቕናቕ፡ ነቲ ዚብሃል ዘሎ ዘረባ ከም እተረደኣካ ምርግጋጽ)
  • ነቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ካልእን ዘሎ ርክብ ዚውጥሮ ነገራት ምስትብሃል፡ ከምኡውን ነቶም ክብርታት
  • ምስማዕን ነቲ ስምዒታት ኣቓልቦ ምሃብን
  • ሓደ ሰብ እናተዛረበካ ከሎ እንታይ ከም እትምልሽ ዘይምሕሳብ
  • ቅድሚ መልሲ ምሃብካ ቅሩብ ተጸበ
  • ንኻልኦት ኣይትፍረድ
  • እቲ እትሓቶ ሕቶ ነቲ ዚብሃል ዘሎ ንምርዳእ ይኹን
  • ድሕሪ ኩሉ ማለት ኣብ መወዳእታ ምዝራብካ ከፍርሃካ የብሉን
  • ክፉት ሕቶ ሕተት ማለት ጥውይዋይ ዘይኮነ
  • ተወሳኺ ሓበሬታን ኣብነትን ርእይቶን ንምርካብ ሕተት

ሰብ ምሕጋዝ እትፈቱ ምስ እትኸውን ወይ ድማ ንስኻ ባዕልኻ ሓገዝ ምስ እትደሊ፡ ናብታ በራድካ ኣድህብ፡ ተኸናኸና፡ ከም ድላይካ ግበራ፡ ምስ ብጾትካን ፈተውትኻን ቡን ንምስታይ ድማ ኣይትረስዕ።

በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ቀዪሕ መስቀል ከተንብቡ ትኽእሉ፥ https://www.redcross.se/


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com