Friday , March 29 2024
Johan Nilsson/TT

በርቂ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሽወደን ባርዕ ኣስዒቡ!!

ትማል ለይቲ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሽወደን ማዕበል ዝናብን በርቅን ምስዓቡ ተገሊጹ። “እዚ በርቅን ማዕበል ዝናብን ሰዓት 4፡30 ለይቲ ዝጀመረ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ቐጺሉ’ሎ” ክብል በዓልመዚ ህጹጽ ሓደጋ ደቡባዊ ዞን ስተፋን ሉንድክቪስት ምስ SVT ኣብ ዝገበሮ ዕላል ገሊጹ’ሎ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ኣብ Dalarna ዝርከቡ መጥፋእቲ ሓዊን ኣገልግሎት ህጹጽ ሓደጋን ክሳብ 6 ዝበጽሕ ጻውዒታት ምቕባሎም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ Norberg በርቂ ብዘውረዶ መጥቃዕቲ ብዙሓት ኣባይቲ ከም ዝተሃስያን ብሰንኪ ንፋስ ድማ ብቐሊሉ ክጠፍእ ዘይምኽኣሉን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ኣብ Krylboን Avestaን ገለ ኣባይቲ ብበርቂ ተወቒዐን እሳት ነዲደን ኣለዋ። ብመሰረት ሓበሬታ ህጹጽ እዋን እዚ ኣሳት ኣብ መርበባት ጎሓፍን ማይን ዓብዪ ዕንወት ኣውሪዱ’ሎ። “ማዕበልን በርቅን ኣብ ዝኽሰተሉ ከባቢ ትቕመጡ እንድሕሪ ኴንኩም ዘድሊ ጥንቃቐ ምግባር ኣይትግደፉ። ኣብ ቃልዕ ሜዳ ወይ ትሕቲ ገረብ ደው ኣይትበሉ” ክትብል ክኢላ በርቂ ኒዛን ኮሀን መልእኽታ ኣመሓላሊፋ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com