Friday , April 26 2024

በቲ ኣብ ኡፕሳላ ዘጋጠመ ናይ ቤትትምህርቲ ባርዕ፡ ገለ ኣዋልድ ይጥርጠራ

ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ክልተ ኣዋልድ ነቲ ኣብ ኡፕሳላ ዚርከ ጎትሱድስኩላን ሓዊ ከም ዝረኩዓሉ ይጥርጠራ። እቲ ናይ ባርዕ ሓበሬታ ናይ ለይቲ ሰዓት 1 ኣከባቢ እዩ ተፈጺሙ፡ ዓቢ ክፋል ናይቲ ቤትትምህርቲ ድማ ዓንዩ።

እቲ ኣብ ኩሉ ዝለሓዀ ባርዕ ከመይ ኢሉ ከም እተጀመረ ይምርመር ኣሎ።

ክልተ ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ኣዋልድ ተታሒዘን ኣሎዋ። ይኹንምበር ፖሊስ ነቲ ፍጻመ ካልእ ኢድ ከም ዘይብሉ እዮም ዚኣምኑ። ማለት ምስ ካልእ ፍጻመታት ወይ ግርጭታት ምንም ርክብ የብሉን ይብሉ።

እቲ ብሰይኑ ንግሆ ዝጀመረ ባርዕ፡ ነቲ 450 ተምሃሮ ዚመሃሩሉ ቤትትምህርቲ ዳርጋ ብምሉኡ ኣዕኒዩዎ እዩ። እቲ ቤትትምህርቲ፡ ሰኑይ ኣቋሪጹ ነይሩ፡ እቲ ኮሙን ድማ ነቶም ብዘይ ትምህርቲ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ተምሃሮ መፍትሒ ይደልየሎም ኣሎ።

እቶም ናይቶም ተምሃሮ ወለዲ ብመገዲ እቲ ቤትትምህርትን ናይቲ ኮሙን ወብሳይትን ሰኑይ ትምህርቲ ከም ዘየሎ ተነጊሩዎም። ገለ ተምሃሮ ግን ናብቲ ቤትትምህርቲ ከይዶም ነይሮም።

ብዙሓት ተምሃሮ ናብቲ ቤትትምህርቲ ብምኻድ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ይጥምቱ ነይሮም፡ ይኹንምብር ምዱብ ትምህርቲ የልቦን። ነዚ ጸገምዚ ንምፍታሕ ግዜ ኪወስድ እዩ፡ ትብል ማሪያ ሃሰልግረን፡ ቃልወሃቢት ኡፕሳላ ኮሙን።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com