Friday , March 29 2024

በዓልመዚ ጥዕና፡ ኣብ እዋን ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን እገዳታት ጉዕዞ ኣይክህሉን እዩ ይብል

በዓልመዚ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ እዋን ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን፡ ናይ ጉዕዞ ቀይድታት ኣይከምሓላልፍን እዩ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ድማ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን፡ ሓደስቲ ምኽርታትን መምርሒታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምሉእ እገዳ ጉዕዞ ንእውጀሉ እዋን ኣይበጻሕናን ይኹን እምበር፡ ሰብ ኣብ ዝገሸሉ እዋን፡ ሓላፍነታዊ ክኸውን ከምዝግባእ ኣማኻሪ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ሕማማት ለበዳ፡ ኣንደሽ ቲግኔል፡ ሓቢሩ።

ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ ጥርዙ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ዘመልክተ መግለጺ ቲግኔል፡ እቲ ዝተወስደ ሓበሬታ ካብ 24 ነሓሰ ክሳብ ሕዳር 6 ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተኣከበ ኮይኑ ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2021 ዝቕጽል እዩ።

ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT)፡ ንክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን ዝምልከት ሓደስቲ ሕግታት፡ ኣብ ዝቕጽል ሓሙስ ክመሓላለፉ እዮም።

ዳይረክተር ጀነራል ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሕን ፈረቓን ብናህሪ ምውሳኹ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ክሳብ ክልተን ፈረቓን ሳምንታት ዘሎ ግዜ፡ እቲ ለበዳ ጥርዙ ክበጽሕ ትጽቢት ኣሎ። ለበዳ ኮሮና፡ ክሳብ ወርሒ ክልተ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ገምጋማት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com