Saturday , April 20 2024

ትካል ጸጥታ ትሕቲ ምድሪ (tunnelbanan) ስቶክሆልም 2 ሰራሕተኛታቱ የባርር።

ትካል ጸጥታ ትሕቲ ምድሪ (tunnelbanan) ስቶክሆልም ሓሙስ ምሸት ክልተ ኣባላት ንሓንቲ ነፍሰጾር ሰበይቲ ብጎነጽ ካብ Metro ባቡር ኣውጺእኩም ብዝብል ካብ ስራሕ ደው ኣቢልዎም።

እታ ሰበይቲ ናይ መሕለፊ ወረቕት የብልክን ብምባል ኣውጺኦሟ ከይኮኑ ዝብል ጥርጣረ ኣሎ።

ብዙሓት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ክልተ ፖሊስ ንሓንቲ ነፍሰጾረ ሰበይቲ ምስ ውሉዳ ካብ ባቡር ብሓይሊ እናውጹኡዋ ዘርኢ ናይ ቪድዮ ምስሊ ፈነየን ኣለዋ።

እቲ ዝተፈነወ ስእሊ ከቢድ ህዝባዊ ቊጠዐ ብምፍጣሩ እቲ ኲባንያ ባቡር ምድሪ ነቲ ጒዳይ ክምርምሮ ጀሚሩ’ሎ።

እታ ሰበይቲ ብኣምቡላንሳ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዳ ፖሊስ ብዛዕባ ጎነጽን ምግፋዕን ግብረ መልሲ ደቀንስትዮን ኣፈናዊ መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ይርከቡ።

በዓል መዚ ትራፊክ ስቶክሆልም ክሪስቶፈር ታምሶንስ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብዚ ጒዳይ መርመራ ምጅማሮምን እቶም ክልተ ኣባላት ጸጥታ ድማ በቲ ተግባራቶም ንግዚኡ ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ከም ዘለዉን ሓቢሩ’ሎ።

” ኣድላዪ ዘበለ ስጒምቲታት ንወስድ ምህላውና ኲሉ ክፈልጦ ይግባእ” ክብል ነታ ፈለማ ነዚ ጸብጻብ ዘውጸአት ጋዜጣ Dagena Nyhter ቃል ሂቡ’ሎ።

እዚ ኣጋጣሚ ፍሉይ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ድሕሪ ምግላጽ ከምዚ ዝኣመሰለ ጎነጻዊ ተግባራት ኣብ ህዝባዊ ትራንስፖርት ክፍጸም ቅቡል ኣይኮነን ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com