Friday , April 19 2024

በዓልቲ ቤቱ እኳ እንተተቐትለት ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉ ፋሪዝ ኣሕመድ ገሊጹ።

ብዓርቢ ኣብ ክራይስትቸርች ኣብ ዝተኻየደ ጃምላዊ መቕተልቲ ኣስላም ብህይወቱ ዝወጸ ሰብ በዓልቲ ቤቱ እኳ እንተተቐትለት ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉ ገሊጹ።

ፋሪዝ ኣሕመድ ካብዚ መጥቃዕቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝወጸ ኮይኑ በዓልቲ ቤቱ ግና ግዳይ ኮይና እያ።

ጓል 44 ዓመት ሖስና ኣሕመድ ነቲ ብዊልቼር ዝንቀሳቐስ በዓልቤታ ንምድሓን ናብቲ መስጊድ እናኸደት እያ ተቐቲላ።

ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉን ዱዓ ከም ዝገብረሉን ከኣ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com