Friday , March 29 2024
Vaccine passports may be available in more places than today. (AP Photo/Andrew Medichini) AJM103

በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ጸቕጢ በዚሕዎ

በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ብሰንኪ እቲ ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ናይ ክታበት ኤሌክትሮኒካዊ ፓስፖርት፡ ናይ ስራሕ ጸቕጢ ኣጋጢምዎ ምህላዉ፡ ጸብጻብ TV4 ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ መዓልታዊ 120 ሽሕ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ክታበት ምስክር  ከምዝተዓደለ እቲ በዓል መዚ ድሕሪ ምግላጹ፡ ነቲ ኣስታት 9 ሽሕ ዝኸውን ተቐቢልዎ ዘሎ ናይ ወረቐት ምልክታታት ንምስራሕ ግን ሳምንታት ክወስደሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ክታበት ምስክር (ናይ ክታበት ፓስፖርት)፡ ኣብ ህዝባዊ ምትእኽኻባት፡ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ልዕሊ 100 ሰብ ዝሳተፍዎ ናይ ውሽጢ ገዛ (ዕጹው ቦታ) ምትእኽኻባት ንምስታፍ ዘገልግል ምዃኑ፡ መንግስቲ ሽወደን ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት 6.5 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ሽወደን፡ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ክታበት ምስክርነት (ናይ ክታበት ፓስፖርት) ተረኪቦም ከምዘለዉ እቲ በዓል መዚ፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com