Friday , April 26 2024
Henrik Montgomery/TT

በዓል መዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ናይ 22 ሰባት ምስክር ወረቐት ሓኺኹ’ሎ።

በዓል መዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ኣብ መርመራ ትምህርታዊ ብቕዓት ምትላል ፈጺምኩም ኢኹም ብዝብል ናይ 22 ሰባት ምስክር ወረቐት ሓኺኹ’ሎ።

እንተኾነ 12 ካብዚኣቶም ድሮ በቲ ዝተዋህብዎ ውጽኢት ተጠቒሞም ኣብ ዪኒቨርሲቲ ሽወደን ትምህርቶም ይከታተሉ ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ኣርባዕተ ሰባት ብዘቕረብዎ ናይ ሓሶት ውጽኢት ተቐባልነት ምርካቦም እንተኾን ግና ጸኒሑ ትምህርቲ ከቋርጹ ከም እተገብረ ሓላፊት መርመራ ብቅዓት ትምህርቲ ሽወደን Cecilia Marklund ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ’ላ።

እተን ካልኦት ሽዱሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ኣታሊሎም ውጽኢት ዘምጽኡ ሰባት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተቐቢለን ምህላወን ተሓቢርወን ኣሎ ኢላ።

እዘን ዩኒቨርሲታት Linköping, Lund, Stockholm, Umeå, Uppsala and Örebro ኮይነን ዛጊት ነቶም መታለልቲ እተባህሉ ሰባት ነቒሰን ብምውጻእ ካብ ፕሮግራም ክእለዩ ጌረን ኣለዋ።

እቲ ቆንስል ብዘይካዚ ናይ ምትላል ተግባር ፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ናይ ዝጠርጠሮም ልዕሊ 200 ሰባት ይምርምር ምህላዉን ክሳብ ጽድያ ኣብ ዘሎ ግዜ ውጽኢቱ ዕላዊ ክገብር ምዃኑን ተነጊርሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com