Friday , April 19 2024

በዓል መዚ ሜትሮሎጂ፡ ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ የመሓላልፍ

ሎሚ ኣብ እዋን ቀትሪ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ሽወደን፡ ውርጪ ዝተሓወሶ ሓያል ህቦብላ ክነፍስ ተኽእሎታት ከምዘሎ ካብ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን መጠንቀቕታ ምምሕልላፉ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቲ ህቦብላ፡ ኣብ ስሜናዊ ክፋል ሽወደን፡ ኣብ ኖርቡተን ዝርከብ ሂንተርላንድ፡ ኣብ ገማግም ዝርከባ ወረዳታት ናይ ምምሕዳራት ቬስተርቦተንን ቬስተርኖርላንድን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ድማ፡ ኣብ ከባቢ ኦረብሮ፡ ኦስተርጎትላንድ፡ ሰሜን ቬስተርጎትላንድ፡ ቦሁስላንን ዮተቦሪን ክነፍስ ትጽቢት ይግበር።

ጽባሕ ቀዳም ግን ብተዛማዲ ዝሓሸ ኩነታት ኣየር ክህሉ ምዃኑን ኣብ ደቡባዊ ክፋል’ታ ሃገር፡ ካብ 50c ክሳብ 100c፡ ኣብ ሰሜን ድማ ካብ 00c ክሳብ 50c ክኽውን ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com