Tuesday , April 23 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሒደት ሰራሕተኛታት ጥራይ ከምዝሰጐጐ ተፈሊጡ።

ባጀት በዓል መዚ ኢመግረሽን ኣብ 2019 ብዙሕ እኳ ምንቊልቋል እንተርኣየ ዛጊት ሒደት ሰራሕተኛታት ጥራይ ካብ ስርሕ ከምዝሰጐጐ ተፈሊጡ።

በዚሑ ተባሂሉ ካብ ሓሙሽተ ከባቢታት 92 ሰራሕተኛታት ጥራይ እዩ ክሰጒግ ተባሂሉ’ሎ።

“ባጀትና ተቘሪጹ ኣብ ኣሰካፊ ኲነታት”ኳ እንተሃለና ካብቲ ቅድሚ ሕጂ እተጸበናዮ ንላዕሊ ሰባት ክንሕዝ ንኽእል ኢና” ይብል ኣብ ቦርድ ኢመግረሽን ሓላፊ ምቅይያራት Magnus Onnestig።

ብግብሪ ናብ ኣገልግሎት ሽቕለት እተላእከ ጸብጻብ ናይቶም ስራሕ ከቋርጹ እተነግሮም ሰባት ካብ 92 ዝትሕት እዩ ክከውን።

እቲ ምኽንያት ሰባት ናብ ካልእ ስለዝምደቡን ባዕላቶም ስራሕ ስለዝገድፉን እዩ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብ ሓሙሽተ ቦታታት (ማለት Kiruna, Östersund, Karlstad, Lindesberg ከምኡ’ውን Karlskorna ) ዝነበረ ማእከላት ክዓጽዎ ምዃኑን 92 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክሰናበቱ ምዃኖምን ተፈሊጡ።

ከም ኡውን ኣርባዕተ ናይ ዕቚባ መመርመሪ ክዕጸዋ ምዃነን ካብዘን ቦታትታ ከኣ ዘሰናበቱ ሰራሕተኛታት ከምዘየለው ተፈሊጡ’ሎ። እተን ዝዕጸዋ ኑቅጣታት Orebro, Flen, Norrkoping ከምኡ’ውን Sundsvall እየን።

ኣብ Boden ሓንቲ ካብተን ክልተ መመርመሪ ሕቶ ዑቑባ ተዓጽያ’ላ። እቲ ናይ ዕቚባ መርመራ ኣብ ሓሙሽተ ቀንዲ ማእከላት ዝእከብ ማለት Stockholm፡ Göteborg፡ Malmö፡ Uppsala፡ Boden) ክእከብ እዩ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን በዚ ምዕጻው ማእከላት ንዝመጸ ለውጢ ንሓተቲ ዑቕባን ሲቪላዊ ማሕበራትን ማሕበራዊያን ተዋሳእቲን ክሕብሮም ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com