Thursday , March 28 2024
Foto : Marcus Ericsson/TT

በዓል መዚ ኢመግረሽን ብሰንኪ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ይንቀፍ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ጒዳይ ብሸለልትነት ብምሓዝ ንሓደ ዓመት ክደናጐ ብምግባሩ ካብ ትካል ተጣባቒ ፍትሒ ትርር ዝበለ ነቐፌታ አአንጊዱ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን እዛ ሰበይቲ ነቲ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ዝሃቦ ውሳነ ብምቅዋም ጥርዓን ኣቕሪባ ኔራ።

እዛ ሰበይቲ ዘቕረበቶ ናይ ዕቚባን ፍቓድ ግዜያዊ መንበሪን ድሕሪ ምንጻጉ ዘቕረበቶ ጥርዓን ንሓደ ዓመት ምስ ገበረ እያ ናብ ቤትፍርዲ ኦሚግሬሽን ከም ዝሓልፍ ጌራ።

ኣብ ተጣባቒ ፍትሒ እትሰርሕ Cecilia Renfors እዚ ምድንጓይ ብምንም ክምኽነ ከም ዘይክእልን ትካል ኢሚግሬሽን ጒዳይ ደቀንስትዮ ብግቡእ ኣብ ምእላይ ዝሕግዙ ሞያዊ ኣገባባት የብሉን ኢላ ነቒፋቶ።

ተመሳሳሊ ካልእ ጒዳይ ብኸመይ ይኣልዮ ኣሎ ንምክትታል ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ምምርማር ምጅማሮም ከምዚ ዝበለ ምድንጓይ ምውጋድ ዝከኣል ምንባሩ’ውን ኣስሚራትሉ’ላ።

እቲ ትካል ዝሓለፉ ውሳነታትከ ክኽለሱ ድዮም ንዝብል ሕቶ መልሲ ኣይሃበሉን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com