Tuesday , April 23 2024
Foto : Marcus Ericsson/TT

በዓል መዚ ኢመግረሽን ይንቀፍ።

ብዙሓት ጠበቓታትን ውድባት ሰብኣዊ መሰላትን ሓተትቲ ዕቚባ ብዘይ ዝኾነ ክሲ ኣብ ኣብያተ ማሕዩር ክጸንሑ ምግባሩ ብምልዓል ንኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ነቒፈን።

ብመሰረት ትማል ዝወጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣብቲ ገበነኛታት ዝተሓዝሉ ኣብያተ ማሕዩር ዛጊት 25 ሓተትቲ ዕቚባ ተሓዪሮም ኣለዉ።

ኣገልግሎት ኢምግሬሽን ፋይላት ዝተነጽጉ ሓተትቲ ዕቚባ ኩሉ ሕጋዊ መስርሕ ድሕሪ ምጽንቃቑ ሕቶኡ ስለእተንጽገ ናብ ፖሊስ ብምስግጋር ብፍቓዱ ካብ ሽወደን ክለቅቕ እዩ ዝተባባዕ።

እንተኾነ ግና ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብፍቓዶም ካብ ሽወደን ምልቃቕ ምስ ዝኣብዩ ብፖሊስ ተታሒዞም ናብ ዝመጽሉ ክባረሩ ይግበር።

ብዘይካዚ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ንገለ ዝተነጽጉ ሰባት ኣብ ኣብያተ ማሕዩር ይሕዝ እዩ። እዚኣቶም ምስ ሰራሕተኛታት እዚ ትካል ጎነጻዊ ባህርያት ዘርእዩ ኮይኖም ብቐጥታ ናብ ቤት ማሕቡስ እተላእኩ እዮም።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሽወደን ንኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ብምንቃፍ ነዚ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ማሕዩር ገበነኛታት ናይ ምጽናሕ ተግባር ምዂናኑ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com