Tuesday , April 23 2024
Foto: SVT / montage

በዓል መዚ ኢመግረሽን ፍልስጤማውያን ስድራ ናብ ዩክረይን ክመልስ ይህቅን።

ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን እንዳ ሻት ኣብ ጒዳይ ምብራሮም ምስቲ በዓልመዚ ክተሓጋገዙ እዮም ኢሉ ስለዘይሓስብ ንዓመት ናብ ሸንገን ከይምለሱ እገዳ ተነቢርሎም ኣሎ።

እቲ ጒዳይ ሕርብት ዝበሎ ዓድል ሻት ምስ SVT Vasternorrland ኣብ ዝገበሮ ዕላል ይግባይ ክንብል ኢና ኢሉ’ሎ።

ኣብ Resele ዝቕመጥ ቤተሰብ ሻት ንዑቕባ ዝኸውን እኹል ምኽንያት የብሎምን ኢዮም ተባሂሎም። ስለዚ ድማ ክባረሩ እዩ ተወሲንሎም። እንተኾነ ግና ኣፈጻጸማ እቲ ምስጓግ ዓቢ ግድል ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ።

ዓድልን ሰለስተ ደቁን ፍልስጤማዊ ፓስፖርት ኣለዎም። ኣደ እቶም ቆልዑ Alina ዩክሬናዊት እያ። ስ

ለዚ ድማ ቦርድ ስደተኛታት ናብታ ብ 2013 ዝጠንጠንዋ ፍልስጤም ዘይኮነ ናብ ዩክሬይን እዩ ክሰጐም ዝደሊ ዘሎ።

እንተኾነ ግና ዩክሬይን ድርብ ዜግነት ኣይትቕበልን እያ። ስለዚ ድማ ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን እቶም ቆልዑ ዜግነቶም ናብ ዩክሬን ክቕይሩ ናይ ወለዶም ፍቓድ ክትሓትት እያ።

እዚ ንባዕሉ ሒዝዎ ዝመጽእ ሽግር ኣሎ። ዓድል ናይ ዩክሬን መእተዊ ቪዛ የብሉን።

“ናብ ኤምባሲ እናተመላለስኩ ናይ ዩክሬን ቪዛ ክሓትት ጸኒሐ’ለኹ። እንተኾነ ግና ሕቶይ ዝተነጽገ ሓታቲ ዕቚባ ስለዝኾንኩ ሕቶይ ኣይተቐበልዎን። ኣብ ሽወደን ብዘይሕጊ ዝቕመጥ ዘለዂ ጌሮም እዮም ተረዲኦምኒ” ይብል ዓድል።

እቶም ስድራ ከይምለሱ እገዳ ተነቢርሎም ኣሎ። እዚ ማለት ኣብ ስርዓተ ሓበሬታ ሸንገን ብዝርዝር ተመዝጊቦም ኣለዉ ማለት እዩ።

እቲ እገዳ ክሳብ ዘሎ ድማ ኣብ ኣባል ሃገራት ሸንገን ክኣትዉ ኣይፍቀዶምን እዩ ማለት እዩ።

“ኣብዚ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዘ ቦርድ ስደተኛታት ዝሓተትኒ ኲሉ ኣማሊአ እየ። ሕጂ ዚግነትና ቀዪሮም ኣነ ክኣተዋ ናብ ዘይፍቀደለይ ሃገር ክሰጒና ይደልዩ’ለዉ። ቤተሰብና ፋሕ ክትብል እያ። ተሓባበሩና እምበር ናብ ዝደለናዮ ክነባርረኩም ኢና እዮም ዝብሉና ዘለዉ” ክብል ኣማሪሩ።

“ኣዚና ኢና ጒሂና ዘሎና። ቆልዑ ለይቲ ለይቲ ክብህርሩ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ናትና ሻቕላ ከደቅሶም ኣይከኣለን…ዓዛብ እዩ” ይብል ዓድል።

ሕጂ ድኣ እንታይ ትሓስብ? “ጠበቓ ኣማኺረ’ለኹ” ኣብ Resele ምስ ቦርድ ስደተኛታት እትዓዪ Krestin Franzen በቲ ጒዳይ ምሒር ምብስጫዋ ተገሊጹ’ሎ።

ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን እዞም ሰባት ዜግነት ክቕይሩ ምሕታቱ ፍጹም ጠገለ ዘይብሉ ተግባር እዩ።

ቤተሰቦም ፋሕ ንዘብል ውሳኔ ኣብ ምትግባር ክተሓባበርዎም ምጽባዮም ብሓቂ መስሓቄን እዩ ብምባል ነቲ ውሳኔ ዘሊፋቶ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com