Thursday , April 25 2024

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ 20 ሽሕ ዝኸውን ዘይተመለሰ ደብዳቤታት ከምዘለዎ ገሊጹ

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ 20 ሽሕ ዝኸውን መልሲ ዘይተዋህበሎም ናይ ዓማዊል ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤታት (e mail) ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ በዓል መዚ፡ ነቲ ዘሎ ብዝሒ ደብዳቤታት ንምጽፋፍ ብምባል፡ ንኣባላቱ፡ ትርፊ ሰዓታት ንኽሰርሑ እኳ እንተ ገብረ፡ እቲ ስራሕ ከምቲ ዝድለ ክስጉም ስለዘየከኣለ፡ ተወሰኽቲ 55 ግዝያውያን ሰራሕተኛታት ቆጺሩ ከምዘሎ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ፡ ተገልገልቲ፡ ብመንገዲ ቴሌፎን ወይ ድማ ብደብዳቤ፡ ጉዳያቶም ከቕርቡ ለበዋታት ስለ ዝተመሓላለፈ፡ ብዝሒ ናይቶም ደብዳቤታት፡ ክሳብ 400 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዓመተ 2016፡ ዝነበረ ብዝሒ ደብዳቤታት፡ 170 ሽሕ፡ ብዓቢ መጠን ከምዝወሰኸ፡ ኣብ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ሓላፊ ሃገራዊ ክፍሊ ኦፐረሽን ዝኾነ፡ ማግኑስ ኦነስቲግ፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com