Tuesday , April 23 2024
Stina Stjernkvist/TT

በዓል መዚ ጉምሩክ ፍሉይ መስመር ቴለፎን ይኸፍት።

ሰባት ዝኾነ ናይ ኮንትራባንድ ስርሓት እንተ ተዓዚቦም ብ ቊጽሪ ስልኪ ስልኪ 90144 ጥርዓን ከቕርቡ ካስተምስ ሽወደን (ጉምሩክ) ኣተሓሳሲቡ።

እዚ መስመር ቴሊፎን 24 ሰዓታት ብተጠንቅቕ ዝከታተል ኮይኑ ስኑይ እዩ ስርሑ ጀሚሩ።

ሰባት ስሞም ዓቂቦም ከይተሰከፉ መልእኽቶም ድሕሪ መስመር ብምፍናው ምስ ኣባላት ጸጥታን ስለያን እቲ ክፍሊ ክራኸቡ ክኽእሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ ካስተምስ ሽወደን ሓላፊ ሓለዋ ሕጊ Lars Kristoffersson, እቲ ትካል ምስ ህዝቢ ብቐጥታ ዝረኽበሉ መንገዲታት ከናዲ ምጽንሑ ገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ ኣዋን እቲ ኣገልግሎት በዚ ዘቕረቦ መስመር ኣቢሉ ሽግራት ህዝቢ ክሰምዕን ኣብ ግዜኡ ክበጽሓሎምን ዘለዎ ተስፋ ከኣ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com