Thursday , April 18 2024

ባህላዊ ንጥፈት ምዕዛብ መጠን ጭንቀት የጒድል እዩ ክብል ሓድሽ መጽናዕቲ ገሊጹ።

ብውሑዱ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ሲነማ ትያትርን ኤግዚቢሽን ቤተመዘክርን ዝበጽሑ ሰባት መጠን ሓደጋ ጭንቀት ብ 48 ሚእታዊት ከም ዝንኪ ተገሊጹ።

ነቶም ሳሕቲ ጥራይ ባህላዊ ንጥፈት ዝከታተሉ ኸኣ እቲ ሓደጋ ብ 32 ሚእታዊት ይንክየሎም እዩ ተባሂሉ’ሎ።

እዚ ውጽኢት ን 2148 ዝኾኑ ብሪጣንያውያን ንዓሰርተ ዓመታት ብደቂቕ ብምክትታል ብዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተረኽበ እዩ።

እዚ መጽናዕቲ ብተወሳኺ ማሕበረ ቊጠባዊን ጥዕናዊን ኲነታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ተዳልዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com