Thursday , April 25 2024

ባህጊ! . . . ሓቐኛ ዛንታ . . . ብጸጋብርሃን ጎይትኦም . . . ካልኣይን ናይ መወዳእታ ክፋል

“እንድዒ ጓለይ እዚ ቅልጥፍ ኢልካ ትገብሮ ነገራት፡ መወዳእታኡ ሳዕቤን ኣለዎ። ንስኺ ድማ ክትጥቀቒ ኣለኪ” ዕትብ ኢላ ተዛረበታ።
“በሊ ከይትቕየምኒ እምበር፡ ኣነ’ስ መታን ክኣምንኒ ውዒለዮ’የ። ደጋጊሙ ምስ ለመነኒ ከይከስሮ ብምባል ውዒለዮ፡” እቲ ሓቂ ተናስሓትላ።
“ክኸውን ኣይነበሮን ሄለን! ግና ዝፈሰሰ ስለዘይሕፈስ፡ ኣብ ፍታሕ ጥራይ ነድህብ ሕጂ። ቀልጢፍኪ ወድኣለይ በልዮ። ንሱ’ዩ እቲ ዝሓሸ እምበር፡ ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ ተህተፍትፊ ከይትህልዊ’ዩ ፍርሐይ። ባህጊ ወጻኢ ክትፍጽሚ ባህግኺ ከይዝረግ… ንእሽተይ ኢኺ ዘለኺ…” ምስ ጸጋ መሓዝኣ ብዙሕ እዋን’ኳ ኣዕሊለን እንተኾና፡ ከምዛ ናይ ሎሚ ገይሩ ኣብ ልባ ቦታ ዝሓዘ የለን። ግና ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ዋጋ ኣይነበሮን እቲ ዘረባ። ኣብ ሕጂ ግና ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቑ፡ ኩሉ ምኽሪ መሓዛ ናብ ሓቅን ርትዕን ተቐይሩ። ዘይተጨበጠ ሕልሚ ሄለን ሓደ ዘይፍታሕ ጉድ ወሊዱ።

***
ዝሓለፈ ዓመት ጓል ዕስራን ሸውዓተን ዓመት ዝነበረት ሄለን፡ ሎሚ ሓደ ዓመት ደሚራ ትርከብ። እዛ ኣብ ከባቢ ገዛ ባንዳ ጥልያን ዝተወልደት መንእሰይ፡ ነቶም ኣርባዕተ ደቂ ዘፍረዩ እንዳ ኣቶ ክብሮም ሳልሰይቶም’ያ። ስድራኣ ርኹባትን ሰብ ሃብትን ብምዃኖም፡ ካብ ህጻንነታ ኣብ’ቲ ሰፊሕ ናይ ስድራኣ ገዛ ብሕንቃቐ’ያ ዓብያ። ኣብ ትምህርታ’ውን ንፍዕትን ኣብነታዊትን ብምንባራ፡ ዳርጋ ምስ’ቶም ንፉዓት ተማህሮ እንተሰርዐት’ያ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰማእታት ዝዛዘመት። ብድሕሪኡ ኣብ መበል ዕስራ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሳዋ ወፊራ። ናይ ዲፕሎማ ነጥቢ ብምምጻእ ከኣ ናብ ኮለጅ ዘእትዋ ነጥቢ ረኺባ። እንተኾነ ኣብ ክንዲ ትምህርታ ተኸታቲላ ደረጃኣ ምዕባይ፡ ኣንፈት ኣእምሮኣ ናብ ወጻኢ ሃገር ዝብል ሓሳባት ክትል ክትል ስለ ዝበላ፡ ‘ብኸመይ መንገዲ ናብ ወጻኢ ይኸይድ?’ ዝብል ሓሳባት ንኣእምሮኣ ኣናወጾ። ተማሃሪት ካልኣይ ደረጃን መሓዛኣን ዝነበረት’ሞ ድሒራ ናብ ወጻኢ ሃገር ዝኸደት ሰብ፡ መዓልታዊ ዝተፈላለየ ጽቡቕ ስእልታት እናሰደደት ብቕንኢ ክትሕምሳ ምስ ጀመረት’ዩ ድማ፡ ኪኖ ተራ ባህጊ፡ ኪዲ ኪዲ ዝብል መንፈስ ንህይወታ ዝዘራረጎ። ጽልዋ መዘና
ዝብል ብሂል ድማ፡ ኣብ ሄለን ብግብሪ ሰርሐ።
እታ ኣብ ወጻኢ እትቕመጥ መሓዛኣ፡ ነቲ ትቕመጦ ተሪር መንብሮ ናይ’ቲ ትቕመጦ ሃገር እናሓብአት፡ ብጽባቐ ዝተደርደረ ኣሳእል ብምግባር ልባ ኣብ ምስላብ መሪሕ ተራ ተጻወተት። ባህግን ናይ ምንባር ድሌትን ተደሚሩ፡ ሄለን ብኸመይ ወጻኢ ሃገር ትኣቱ ጥራይ ኮይኑ ሓሳባ። ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ኣማራጺ ብምውሳድ፡ ብስግረ ዶብ ክትከይድ ብምውሳን፡ ድሌታ ናብ ተግባር ንምቕያር ተበገሰት። እዚ’ውን ቀሊል ግድል ኮይኑ ኣይጸንሓን፡ ተታሒዛ ደኣ
ተመልሰት።
ድሕሪ ናይ ስግረ ዶብ ፈተንኣ፡ ብምኽርን ማዕዳን ተፈንያ ብቐጥታ ናብ ክፍልታት ሚኒስትሪ ምክልኻል ብምምዳብ፡ ሃገራዊ ግቡኣ ንምፍጻም ኣሃዱ ኢላ ክትሰርሕ ተወዝዐት። እንተኾነ ሓንሳብ ዘንቀደ ልባ፡ ካልእ ሰናይ ተበግሶ ክወስድ ተጸገመ። ኩሎም ደቂ ኣሃዱኣ ዝግብኦም ዕማም ፈጺሞም ነብሶም ኣቕሲኖም ህይወቶም ክመርሑ ከለዉ፡ ሄለን ዝተመደበቶ ስራሕ ቀሲና ካብ ምስራሕ ብምሕካል፡ ሸውሃት ባህጊ ናይ ወጻኢ ሃገር ምኻድ ከተማልእ፡ ንነብሳ ካብ
ቅሳነት ከም ትኹብልል ገበረታ። ኣብ ከምዚ ዕረፍቲ ዘይህብ ዘይቅሱን ህይወትን እንከላ’ያ ድማ፡ ምስ ዳንኤል ዝተላለየት። “ወጻኢ ሃገር ጥራይ ይውሰደኒ እምበር፡ ዝገብሮ ኣለኒ…” ዝብል ብቐትሪ ከይደቀሰት እትሓልሞ  ባህጊ ክዉን ክትገብሮ ተበገሰት።

ሄለን፡ ምስ ዳንኤል ሓድሽ ሓዳር ክትገብር ምስምማዓ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኮይና እተሕልፎ ምቾት ዘለዎ ናብራ ከተሰላስል ወጊሑ ዝዓርባ ተቐየረት። ሓዳራ ገይራ እትኸደሉ እዋን ድማ ኣመና ጸበባ። ወለዳን ኣሕዋታን ዘለዋ ጸጋ ክትጥቀመሉ’ኳ እንተመዓዱዋ፡ ሓንሳብ ዘንቀለ ልባ “ናብ ድላያ ትግበር” ዝብል ዘረባ ተተክአ። ንሳ’ውን ሓሳባ ኣብ መፈጸምታ ከየብጽሐት ድሕር ትብል ሰብ ኣይነበረትን። እንተኾነ ምስ ግዜ ኩሉ ብላሽ ኮይኑ፡ ዕድመ ንእስነታ ሒዙ’ዩ ተዓዚሩ።

ምስ ዳንኤል፡ ናይ መርዓ መደብ ምስ ወድኡ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ናይ ደም መርመራ ክገብሩ’ዮም ወሲኖም። ነቲ ዘይስገር መርመራ ዓይኖም ዓሚቶም ኣትዮሞ። ናይ ክልቲኦም ውጽኢት ድማ ተመሳሳሊ – ተሰከምቲ ኤች.ኣይ.ቪ። ድሕሪ’ዚ ክልቲኦም ናብ ምውንጅጃል’ዮም ኣምሪሖም። ‘ንስኺ’ባ ለኪምክኒ፡ ንስኻ’ባ…” ሄለን ብዝያዳ ናይ ዘልኣለም ተስፋኣ ጸልመተ።
ሄለን ድሕሪ’ዚ ኩሉ፡ ባህጋ ከም ደበና ብንፋስ ክዘራረግ ኣብ ቅድሚ ዓይና ተቐጀላ። ናይ ቀትሪ ባህታኣ፡ ሩፍታኣ ዘሪጉ ዓጠምጠም ኣበሎ። ንሰብ ዘለዎ ጸጋ ኣብ ክንዲ ዝጥቀመሉ፡ ኣብ ዘየድሊ ባህጊ ሸንኮለል ብምባል፡ ነብሱ ከም ዘዕርባ እቲ ዘይጭበጥ ተስፋኣ ምሂሩዋ። ሰብ ካብ ሰብን ካብ ወጻኢ ሃገርን ዘይኮነ፡ ካብ ጻዕሩን ትምህርቱን ከም ዝኸውን ተሰወጣ’ሞ፡ ናይ ወጻኢ ባህጋ – ካብ ነብሳ ሓግሒጋ ኣውጽኣቶ። ግና ዘይወጽእ ሕማም…።
ነዚ ኩሉ ዛንታኣ ከተዕልለኒ ከላ፡ ናይ መሓዛኣ ጸጋ ዘረባ ድሕሪ ግዜ ኣብ ውሽጣ ተሰሪቱ፡ ከም ተስተማቕሮ ኮነ። “ንዘይጭበጥ ባህጊ ህይወት ምኽፋል’ውን ኣሎ” ትብል ምኽሪ፡ ኣብ ሕጂ ኮይና ከም ዝሰርሐት ሄለን ጽቡቕ ገይራ ኣስተማቐረታ። ነቲ ከይደቀሰት ዝሓለመቶ ባህጊ ድማ ኣብ መወዳእታ ብኽሳራ ዛዘመቶ። ዘይጭበጥ ባህጊ ንምጭባጥ ድማ፡ ዘልኣለማዊ ሩፍታኣ ዘረገት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com