Thursday , April 25 2024

ባህጊ! . . . ሓቐኛ ዛንታ . . . ብጸጋብርሃን ጎይትኦም . . . ቐዳማይ ክፋል

እቲ ፍጻመ ልክዕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዋኑ ሄለን ኣብ ታኼላ ሓጐስ ተሸሚማ ንዓለም ኣይትጽረኒ ዝበለትሉ እዋን’ዩ። ኣብ እዋን ለይቲ ወትሩ እትሓልሞ፡ ብቐትሩ ድማ እትብህጐ ናይ ወትሩ ባህጋ፡ እዋኑ ኣኺሉ ናብ ናይ መዛዘሚ ፍጻመ እናተቓረበ ይኸይድ ብምንባሩ፡ ከም’ታ ወርሒ እቲኣ ገይራ ብሓጎስ ዘሕለፈቶ ግዜ ውሑድ’ዩ። እቲ ዘይጭበጥ ዝመስላ ዝነበረ ባህጊ ክትውንኖ ብምቕራባ።
ነቲ ናይ ሓጐስ ፍጻመ ኣብ ሎሚ ኮይና ክትዝክሮ ከላ፡ ኩሉ ነገር ይተሓዋወሳ’ሞ፡ ብሓሳብ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዛ እዋን ክረምቲ ብምስትንታን እናተሸቑረረት ተዘንትዋ። ብሕልሚ ዝተሳለኻዮ ሓጐስ፡ ዓወቱ ጨቢጥካ ክሳብ ዘየስተማቐርካዮ ግን ኩሉ ከንቱ’ዩ።
እታ ዕለት፡ ብልክዕ ካብ ኣእምሮኣ ኣይሃሰሰትን። ወርሒ ነሓሰ ዕለት ኣርባዕተ ዓመተ 2016 ምዃና ጽቡቕ ገይራ’ያ ትዝክራ። ክትርስዓ ትኽእል’ውን ኣይኮነትን። ምኽንያቱ ‘ህይወተይ ክትቅይረለይ ዝመጸት መዓልቲ’ያ’ እናበለት ብሓበን’ያ ትዝክራ። በቲ ንሳ እትደልዮ መንገዲ ህይወታ ቀይራ ናብ ሓጎስ እንተዘየሰጋገረታ፡ ናብ ጥፍኣት ግን ሸሚማታ’ያ። ምስ ዳንኤል ዝተላለየትላ ኣጋጣሚ ብምንባራ።
ሄለን፡ ኣብ ሓደ ጽምብል ናይ ቤተሰብ ምስ ከደት’ያ ምስ’ቲ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽአ ዳንኤል ተላልያ። ብስፖርት ዝተሃንጸ ስሩዕ ኣካላቱ፡ ናብ ቅይሒ ዝኸደ ሕብሪ ገጹ፡ ንጣዕሚ ናብራኡ ከንጸባርቕ ዝቐረበ ክመስል ወላህላህ ይብል ብምንባሩ፡ ናብኡ ቀሪባ ሕግብግብ ክትብል ግዜ ኣይወሰደትን። ካብ ብወጻኢ ሃገር ከም ዝመጽአ ምስ ፈለጠት ብፍላይ፡ ሰጢማ ብምቕራብ ኣብ ጐድኑ ኮይና ምፍላይ ኣበየቶ። ንሳ እውን ብወገና፡ ቁሩብ ናብ ግዝፊ ዝኸደ ኣካላታ ገዲፍካ፡ ተባሃጊ መልክዕ ትውንን ብምዃና፡ ንዳንኤል ኪኖ ግዚያዊ ሌላ፡ ዕላሎም ኣብ ካልእ እዋን ዝቕጽሉሉ መንገዲ ብምፍጣር፡ ምስ ናይ መጻኢ መደቦም’ዮም ተፈላልዮም። በዚ ምኽንያት’ያ ድማ ነታ ዕለት፡ ከም ፍልይቲ መዓልቲ ኣብ ህይወታ እትቖጽራ።
በዚ ኣጋጣሚ ዝተፈጥረ ሌላ’ዩ ድማ፡ ሄለንን ዳንኤልን ኣብ ሓጺር እዋን ዕሙቕ ዝበለ ርክብ ብምፍጣር፡ ኣብ ናይ ክልተ ወርሒ ግዜ ፍቑራት ብምዃን ክዞሩ ዝጀመሩ።
ሄለን፡ ነዚ ኣጋጣሚ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ነቲ ወትሩ ኣብ ሓንጎላ እናመጽአ ዘሸግራ ዝነበረ ባህጊ ወጻኢ ሃገር፡ ብመንገዲ ዳንኤል ናብ ተግባር ንምቕያር’ያ እምበኣር፡ ኣብ ዓንኬል ቁጽጽራ ብምእታው፡ ንኽምርዓዉ ትደፋፍኦ ዝነበረት። ንሳ ጓል ዕስራን ሸውዕተን ዓመት ክትከውን ከላ፡ ዳንኤል ልክዕ ሓምሳ ዓመቱ ረጊጹ ነይሩ። ‘ፍቕሪ እንተሎ ዕድመ ወሳኒ ኣይኮነን’ እናበለት ድማ፡ ልዑል ፍቕሪ ከም ዘለዋ ንዳንኤል ከተርኢ ላዕልን ታሕትን በለት። ዋላ’ኳ ዳንኤል ቅድሚ ሕጂ ተመርዕዩ ክልተ ቆልዑ ወሊዱ ዝተፋትሐ ይኹን፡ ናታ ባህጊ ከተርዊ ትጓየ ብምንባራ፡ እዚ ኩሉ ንዓኣ ጸገም ኣይነበሮን። ወትሩ ኣብ ጐድኑ ብምዃን ድማ፡ ንልቡ ተቖጻጺራ ክምርዓዉ ደጋጊማ ለሚና – ኣብ መወዳእታ ሰለጣ። እዚ ኹሉ በቲ ንሳ ትኣምነሉ መንገዲ ይኸይድ ከም ዘሎ ምስ ኣረጋገጸት፡ ብሓበን ክትምርዖ ምዃና ደረታ ነፊሓ ከተውሪ ጀመረት። ወጻኢ ሃገር ናይ ምኻድ ባህጋ ኣብ ቀረባ ግዜ ሰሚሩ፡ ኩሉ ሓሳባታ ኣብ’ቲ ትኸዶ ሃገር እንታይ ከም እትገብርን ንመነ-መን እናደወለት ጽቡቕ ከም ዘላ ክትሕብርን ክትንየትን ከም ዘለዋ’ውን ከተሳልስል ጀመረት። ብፍላይ ምስ መሓዛኣ ጸጋ ዘዕለለቶ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮኣ ኣይሃሰሰን።
“ኩሉ ዝተወድአ’ዩ ዝመስል ዘሎ…” ገና ኣብ’ቲ ዝተቛጸራሉ ቤት ሻሂ ኣትየን ኮፍ ከይበላ ከለዋ፡ ሄለን ኲርዓት ሓዊሳ መብርሂ ጀመረት። ጸጋ ናይ ልቢ መሓዛኣ ብምዃና፡ ኩሉ ትገብሮ ነገራት ብዘይ ሕብእብእ’ያ ትጸውያ።
“ናይ’ቲ መርዓኺ ማለት ድዩ?” ጸጋ ኩሉ ዕላለን ብዛዕባ መርዓ ሄለን ተቐይሩ ብምንባሩ፡ ንሱ’ዩ ዝኸውን ዝብል ኣርእስቲ ግምት ሓዘት።
“መሓዛይ! ዘይንሱ ደኣ እንታይ ከይህልወና። ብዝኾነ ክንምርዖ ምዃንናን ስድራ ክሰድድ ምዃኑን ተረዳዲእና ኣለና። ክልተ ረብሓ’ዩ ዘለዎ ጸጋ መሓዛይ። በቲ ሓደ ዝብላዕ ሰብ’ዩ – ማለት ሃብታም ሰብ። ካልኣይ ድማ ወጻኢ ሃገር ክኸይድ ሕልመይ ምዃኑ ካብ ቀደም ትፈልጢ ኢኺ። ስለዚ ክልተ ዕማም’የ ዝዓምም ዘለኹ፡” ብኹርዓት ነታ ኣተኲራ ትጥምታ ዝነበረት ጸጋ ክትምስጣ ፈተነት።
“ኣነ ግና ከም መሓዛይ ዝመኽረኪ – ኪኖ ገንዘብን ወጻኢ ሃገርን፡ ኣብ መጻኢ ህይወትኪ እትምስርትዮ ሓዳር እንተድሃብኪ ይሕሸኪ’የ ዝብል። ኣብ ረብሓ ዝተነድቀ ፍቕሪ ካብ መሰረት ስለ ዝጽብቕ ኣብ ጠልጠል’ዩ ዘሎ። ምስ ግዜ ዓነውነው ክብል ድማ ግዜ ኣይወስደሉን’ዩ፡” ንውሳነኣ ሓሲባ ክትኣትዎ ክትመኽራ ሃቀነት።

“ኣየ ጸጋ …” ብኣቃጫጭ ፍሽኽ በለታ። “ፍቕሪ ሃብቲ እንተሎ ይመጽእ’ዩ፡ ካልኣይ ድማ ወጻኢ ክኸይድ ማራ’ዩ ባህጊ ዘለኒ። እዛ ዕድል ድማ ሕጂ’ያ።” “እሞ ኣብኡ ምስ ከድኪ፡ እቲ ፍቕሪ ትረኽብዮዶ?” ጸጋ ዘረባኣ ኮሊፋ ክትገንሓ ፈተነት።  “ሓደ ሰብ ዕላማ ክህሉዎ ኣለዎ – ናተይ ዕላም ድማ ወጻኢ ሃገር ሰፊርካ፡ ጽቡቕ ናብራ ምምራሕ’ዩ። ክሳብ’ቲ ንነዊሕ እዋን ዝተመነኹዎ ባህገይ ዝሰመረ ድማ ንሓዳር ከም ተወሳኺ ከስተማቕሮ ኣይጽግመንን’ዩ። ጥራይ በዚ ዘለዎ ጽቡቕ ኣካይዳ ክዛዘመለይ ጸሎት ግበርለይ፡” ግብረ መልሲ ክትሰምዕ፡ ዘረባ ኣቋሪጻ ዓይኒ ዓይኒ ጸጋ ጠመተት። “ንሱ’ሞ ኣምላኽ ንመን ኢሉዎ – ግና ኣብ ዓለም እቲ ሓቀኛ ምንባር ምስ ዝኣመንካሉን ምስ እተፍቅሮን’ዩ። ካልኣይ ድማ ምንባር ኣብ ኩልና ሓደ’ዩ፡ ነብስና ብኸመይ ነእምና’ዩ እቲ ሕቶ። ኣብ ወጻኢን ኣብ ሃገርናን ምንባር ኩሉ ሓደ’ዩ። ጥራይ ዕድላትካ ብኸመይ ትጥቀመሉ’ዩ። ንኣብነት ኣነ ኣብ’ዚ እናሰራሕኩ ጽቡቕ ኣለኹ፡ ብኣንጻሩ ንስኺ ባህግኺ ከተስምሪ ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ዝተላለኽዮ ሰብ ትምርዓዊ ኣለኺ። ንውሳነኺ ኣስፊሕኪ
ክትሓስብሉ’የ ዝምሕጸነኪ፡” ስክፍታ ሓዊሳ ሕጂ’ውን ገንሓታ።
“በዚ’ስ ኣይትጠራጠሪ ሓሲበሉ’የ፡ ጥራይ ኣብ መርዓ መሓዛ ክትኮኒ ተዳለዊ…” ዝተወድአ መደብ ምዃኑ ኣብርሃትላ።
“ሓንቲ ግና ክላበወኪ ሄለነይ፡ ክሳብ መርዓ ጠልቀፍቀፍ ከይትብሊ።”
“ኢሂ!” ሄለን ሰንበደት።
“እንድዒ ጓለይ እዚ ቅልጥፍ ኢልካ ትገብሮ ነገራት፡ መወዳእታኡ ሳዕቤን ኣለዎ። ንስኺ ድማ ክትጥቀቒ ኣለኪ” ዕትብ ኢላ ተዛረበታ።
“በሊ ከይትቕየምኒ እምበር፡ ኣነ’ስ መታን ክትኣምንኒ ውዒለዮ’የ። ደጋጊሙ ምስ ለመነኒ ከይከስሮ ብምባል ውዒለዮ፡” እቲ ሓቂ ተናስሓትላ።
“ክኸውን ኣይነበሮን ሄለን! ግና ዝፈሰሰ ስለዘይሕፈስ፡ ኣብ ፍታሕ ጥራይ ነድህብ ሕጂ። ቀልጢፍኪ ወድኣለይ በልዮ። ንሱ’ዩ እቲ ዝሓሸ እምበር፡ ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ ተህተፍትፊ ከይትህልዊ’ዩ ፍርሐይ። ባህጊ ወጻኢ ክትፍጽሚ ባህግኺ ከይዝረግ… ንእሽተይ ኢኺ ዘለኺ…” ምስ ጸጋ መሓዝኣ ብዙሕ እዋን’ኳ ኣዕሊለን እንተኾና፡ ከምዛ ናይ ሎሚ ገይሩ ኣብ ልባ ቦታ ዝሓዘ የለን። ግና ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ዋጋ ኣይነበሮን እቲ ዘረባ። ኣብ ሕጂ ግና ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቑ፡ ኩሉ ምኽሪ መሓዛ ናብ ሓቅን ርትዕን ተቐይሩ። ዘይተጨበጠ ሕልሚ ሄለን ሓደ ዘይፍታሕ ጉድ ወሊዱ።

ይቕጽል—


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com