Friday , April 19 2024
TT

ባዕዳዊት መርከብ ኣብ ሊንድዮ ተራእያ

ሳብማሪን እትመስል መርከብ ኣብ ጥቓ ደሴታት ስቶክሆልም ተራእያ። ብመሰረት ዳገንስ ኒሄተር፡ ብዙሓት ስባት ተመልኪቶምዋን ስኢሎምዋን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ እዩ እዚ ነገርዚ ብገለ ሰብ መራኽብ እተራእየ። ሓደ ካብዚኣቶም ኣብቲ ማያት ዓፍራ ዚመስል ነገር ርእዩ፡ ብድሕርዚ መጠንቀቕታ ተላኢኹ።

ብመሰረት መሰኻኽር፡ እታ ብውሽጢ ውሽጢ እትኸይድ መርከብ ኣርባዕተ ኩርናዓት ዘለዋ ትመስል ይብሉ። ብድሕርዚ ፊልም ኣልዒሎምዋ። ቅሩብ ጸኒሓ እታ መርከብ ናብ ናይ ስቶክሆልም ደሴታት ሸነኽ ኣምሪሓ።

ናይ ሽወደን ምክልኻል ሓይሊ ነቶም መሰኻኽር ብምዝርራብ ነቲ ጉዳይ መርሚሩዎ ኣሎ። ይኹንምበር፡ ተኣፋፊ ምስጢር ስለ ዝኾነ፡ ዕላዊ ኪገብሮ ኣይደለየን።

ብመሰረት ዳገንስ ኒሄተር፡ እታ መርከብ ናይ ሽወደን ኣይኮነትን።

ኒልስ ኦቨ ያንሶን እተባህለ ምኩር ባሕረኛ፡ እታ መርከብ፡ ሳብማሪን ከም ዝኾነት ይሕብር።

ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን፡ ፐተር ሁልትክቪስት ግን ርእይቶ ኪህብ ኣይደለየን።

ከምዚ ተርእዮዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማያት ስቶክሆልም ኣጋጢሙ ነይሩ እዩ።

ኣብ 2014 ቀውዒ፡ ኣብ ማያት ሽወደን ባዕዳውያን መራኽብ ተራእየን እየን፡ እዚ ድማ ምግሃስ ሃገራዊ ማያት እዩ። ኣብ 1980-1990 ኣብ ገማግም ባሕሪ ሽወደን ቀጻሊ ሃድን ሳብማሪናት ተኻዪዱ እዩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com