Saturday , April 20 2024

ባየርን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ስፑትኒክ ቪ ክትዕድግ እያ

ምምሕዳር ባየርን (ባቫርያ)፡ ፍርያት ሩስያ ዝኾነ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ብበዓል መዚ መድሃኒት ኤውሮፓ ተቐባልነት እንተድኣ ረኹቡ፡ 2.5 ሚልዮን ብልቃጥ፡ ክትዕድግ ድልው ምህላዉ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ምምሕዳር ባየርን ምስቲ ኣብ ከተማ ኢለርቲሰ (Illertissen) ዝተዶከነ ፋብሪካ መፍረ ሩስያዊ ክታበት፡ ኣቐዲሙ ውዕል ከምዝተፈራረሙ ፕረዚደንት’ታ ምምሕዳር፡ ማርኮስ ሶዳ፡ ገሊጹ ክብል መጽሔት ደር ሽፒግል ኣቃሊሑ።

ከምዝፍለጥ፡ ሰብ መዚ ሃገረ ሃንጋሪ፡ ንክታበት ስፑትኒክ ቪ ተፈላጥነት ብምሃብ፡ ካብ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ጥቕሚ ከምዘውዓልዎ ተፈሊጡ። ሃገረ ስሎቫክያ፡ ኣብ ኢዳ ዝበጽሐ ክታበት ስቱትኒክ ቪ እኳ እንተሃለዋ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሓበሬታ ናይቲ ኣፍራይ ኩባንያ ኣብ ጥቕሚ ከምዘየውዓለቶ ሓቢራ ክብል ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com