Friday , April 19 2024
Foto: Janerik Henriksson / TT / kod 10010

ባይቶ ኖርወይ ንወነንቲ ኣኻልብ ተሪር መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ።

ኖርዌጃውያን ወነንቲ ኣኻልብ፡ ጽንክር ዝበለ ሕጊታት ክስዕቡ ዝድንግግ እማመ ክሓልፍ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ሽወደን (ስቶርቲንግ) ዝሓለፈ ረቡዕ ምስምማዖም፡ ኖርወይ ቱደይ ኣመልኪታ። ብመሰረት እቲ እማመ፡ ወንነቲ ኣኻልብ ከልቦም ሰባት፡ እንስሳታት፡ ንብረት ወይ ካልእ ነገራት ከይጐድእ ክጥንቀቑ ከም ዝግባእ NRK ገሊጹ’ሎ።

ብዘይካዚ ወንነቲ ኣኻልብ፡ እቲ እንስሳ ዘድልዮ ረቛሒታትን ስልጠናን ምምላኦም ርግጸኛታት ክኾኑ ከድልዮም እዩ ተባሂሉ። እዚ እማመ ባይቶ ክሳብ ግንቦት 24 ክዛዘም ትጽቢት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com