Friday , April 19 2024
Ketanji Brown Jackson, nominated to be a U.S. Circuit Judge for the District of Columbia Circuit,  (Tom Williams/Pool via AP, File) WX108

ባይደን፡ ንሓንቲ ጸላም ኣመሪካዊት፡ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንኽትከውን ሓጽይዋ

ጆ ባይደን፡ ንሓንቲ ጸላም ኣመሪካዊት፡ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንኽትከውን ከም ዝሓጸያ ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።

እዛ ሓዳስ ተሰያሚት፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሰነ ጡረታ ክወጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሊበራላዊ ዳኛ፡ ስቲፈን ብራየር፡ ከም እትትክእ ተገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ብራያን፡ ናይ ጡረታ ውጥኑ ገና ብዕሊ ከም ዘይተረጋገጸ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

51 ዓመት ዝዕድሜኣን ናይ ሚስተር ብረየር ክኢላ ሕጊ ዝነበረትን፡ ኬታንጂ ብራውን ጃክሰን፡ ነዚ ስራሕ ክተካይዶ ከም ትኽእል እዩ ዝንገረላ። ወይዘሮ ጃክሰን፡ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ዲስትሪክት ኦቭ ኮሎምቢያ ኣብ ዝርከብ US Circuit of Appeals መንበር ተዋሂብዋ ምንባሩ ጽብጻብ ቢቢሲ የመልክት።

እዚ ይዂንምበር፡ ብራያን፡ ጡረታ እውን እንተወጸ ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘሎ ናይ ዓቃባውያን 6 ብ 3 ብዝሒ ከም ዘይቅይሮ ተንተንቲ ይሕብሩ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ መንጎ ስቴታት ኣመሪካን ፈደራልን ዝለዓሉ ኣከራኸርቲ ጒዳያት ከምኡውን ኣብ ይግባይን ካልእን ናይ መወዳእታ ውሳነ ብምሕላፍ ኣብ ህይወት ኣመሪካውያን ዓቢ ተራ ከም ዝጻወት ዝፍለጥ እዩ።

እዞም ጃስቲስ (Justic) እናተባህሉ ዝጽውዑ ትሽዓት ደያኑ፡ ነፍሲ ወከፎም፡ ሓንሳብ ብፕረዚደንት ምስ ተመርጹን ሽመቶም ብ ስቴት ምስ ጸደቐሎምን ምሉእ ህይወቶም እዮም ዘገልግሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com