Thursday , April 18 2024
U.S. President Joe Biden (Phil Noble/Pool Photo via AP) TKSJ702

ባይደን፥ ሰነዳት 11 መስከረም፡ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ፈቒዱ

ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካን ካልኦት ሰብመዚን ነቲ ኣብ 11 መስከረም 2001፡ ኣብታ ሃገር እተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝምልከት ሰነዳትን መርመራታትን ንህዝቢ ክፉት ክግበሩ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ክታሙ ዘንበረሉ ፍቓድ ተዋሂቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብመሰረት ባይደን፡ እዚ ምኽፋት ሰነዳት፡ ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክሳለጥ እዩ። ኣብዚ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ዝኸፍአ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝኾነ መስከረም 11 ልዕሊ 2977 ንጹሃት ሰባት ምሟቶም ዝዘከረ ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቶም ዝወረደ ነባሪ ሓዘን ኣይንርስዖን ኢና ኢሉ’ሎ።

እዚ ምኽፋት ሰነዳት፡ ብጸቕጢ ስድራቤት ግዳያት ዝመጸ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። እዞም ስድራቤታት ኣብዚ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ እታ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ምዃና ዝንገረላ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ብቐጥታ ምስታፋ ዘመልክት ሓበሬታ ኣብቲ ሰነድ መርመራ ምህላዉ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com