Thursday , April 18 2024
Chinese President Xi Jinping, right and U.S. President Joe Biden appear on a screen as they hold a meeting via video link (Yue Yuewei/Xinhua via AP) XIN801

ባይደን ንታይዋን ኣመልኪቱ ን ዢ ኣጠንቂቕዎ

ቻይና፡ ብኢደወነና ንህሉው ኲነታት ታይዋን ወይ ሰላም እቲ ከባቢ ከይዝረግ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ዢ ዢንፒን ኣብ ዝገበሮ ናይ ርሕቀት ርክብ ኣመልኪቱ።

ብዘይካ’ዚ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጒዳይ ንጥፈታት ቻይና ኣብ ዢንዢያንግን ሆንኮንግን ኣመኪቶም ዘትዮም ኣለዉ። ባይደን ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ንደሓር ክልቲኦም መራሕቲ ዘካየድዎ ናይ መጀምርታ ኣጠቓላሊ ዘተ ምዃኑ ቢቢሲ ወሲኻ ሓቢራ’ላ።

እዚ እናኾነ ፕረዚደንት ዢ፡ ኣመሪካ ንነጻነት ታይዋን ንምድጋፍ እትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ “ብሓዊ ከም ምጽዋት እዩ፥ እቶም ኣብዚ ጸወታ ኣትዮም ዘለዉ ኸኣ ምቅጻሎም ኣይተርፎምን እዩ” ክብል ምጥንቃቑ ንማዕከናት ዜና ቻይና ብምጥቃስ ሮይተርስ ጸብጺቡ’ሎ።

ዋይት ሃውስ ብወገኑ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ ሓንቲ ቻይና ዝብል ፖሊሲ ከም ዝሰርሓሉ ኣፍሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com