Wednesday , April 24 2024
Credit: Martina Holmberg / TT / SEB

ባጤራ ሽወደን–ክሮና–ንሕጽር ዝበለ ግዜ ምድኻም ከርኢ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፥ ባጤራ ክሮና ሽወደን ዋግኡ ከንቈልቊል ምጽንሑ፥ ብፍላይ ድማ ምስ ገለ ባጤራታት –ዶላርን
ዩሮን እንክወዳደር፥ ብተዛማዲ ድኽም ዝበለ ዋጋ ከም ዘለዎ፥ ኣብ ባንክ ሽወደን ዋና ነዳፊ ስትራቴጂ ካል ሃመር ገሊጹ። ካብ
2023 ቊጠባ ሽወደን፥ ብምኽንያት ምስ ወለድ ዘለዎ ተኣፋፊ ዝምድና፡ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝደኸመ ተባሂሉ ከም እተጸውዐ
ዝፍለጥ እዩ። እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተኸስተ ምውዳቕ ባጤራ ክሮና፡ ምስ “ሪል እስቴት”፥ ከምኡ’ውን መጠን ወለድ ብቐጥታ
ዝጽሎ ቊጠባ ሽወደን ዝመሰረቱ ብምዃኑ፥ ኣህጒራውያን ኣውፈርቲ ብዛዕባ ባጤራ ክሮና ዘለዎም ኣታሕዛ ኣዝዩ ጥንቁቕ
ምዃኑ፥ ካል ሃመር ወሲኹ ገሊጹ። በዚ ድማ፥ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብምኻድ በዓላት ከሕልፉ ንዝደልዩ ሽወደናያን ወጻኢታት
ክበዝሖም፡ ብኣንጻሩ ኣብ ሽወደን ክዛወሩ ንዝደልዩ ወጻእተኛታት ከኣ ወጻኢታቶም ክጎድል እዩ። ኣብ ወጻኢ ናብ ዝርከቡ ሰቦም
ገንዘብ ዝልእኩ ሽወደናውያን፥ ክሮና ሕስር ክብል ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፥ እቲ ዘድሊ ዕዳጋ ሕጂ እንተዝፍጽሙ ከም
ዝሓይሽ ተላብዩ’ሎ። እንተኾነ ግና እዚ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ከም ዘይጸንሕ ሃመር ኣስሚሩሉ’ሎ።
ድኽም ዝበለ ባጤራ ክሮና፥ ሰደድ ንዝገብሩ ሽወደናውያን ጽቡቅ ዜና ምዃኑ ዝገለጸ ሃመር፥ እንተኾነ ግና እዚ ኣብ ዝተናውሐ
ግዜ ልዑል ዝቕባበን ድኽነትን ከምጽእ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ።
ባጤራ ሽወደን–ክሮና–ንሕጽር ዝበለ ግዜ ምድኻም ከርኢ ብምዃኑ ፥ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝካየዱ በዓላት ከምኡ’ውን ንስግር
ባሕሪ ዝግበር ምትሕልላፍ ገንዘብ በብግዜኡ ኣናኸበሩ ክመጹ እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋጋ ሚእቲ ክሮና 9.2 ዶላር ኣመሪካ፥
8.5 ዩሮ፡ ከምኡ’ውን 7.4 ፓውንድ ስተርሊንግ ይሽረፍ ምህላዉ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com