Friday , March 29 2024
Reuters

ቤተ-እስራኤላውያን ተቓወምቲ ምስ ፖሊስ እታ ሃገር ተጓኒጾም

ፖሊስ እስራኤል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋል ናይታ ሃገር ንዝተወለዐ ተቓውሞ ቤተ-እስራኤላውያን ንምብታን ኣብ ዝፍትነሉ ጎንጺ ተፈጢሩ። እቲ ጎንጺ፡ ብድሕሪ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ብሓደ እስራኤላዊ ኣባል ፖሊስ ዝተቐተለ ኢትዮጵያዊ-እስራኤላዊ ከም ዝተወለዐ ተገሊጹ።

ወዲ 18 ዓመት ቤተ እስራኤላዊ መንእሰይ ሰሎሞን ተካ፡ ሽዑ መዓልቲ ኣብ ዕረፍቲ (‘ኦፍ-ዲውቲ) ብዝነበረ ኣባል ፖሊስ’ዩ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተቐቲሉ።ተቓውሞ የስምዑ ዘለዉ ሰልፈኛታት ይጓነዩን ግዳያት መጥቃዕቲ ይኾኑ ከም ዘለዉን ይዛረቡ።ጸብጻብ ዘ-ጀሩሳሌም ፖስት ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ተቓውሞ ነታ ሃገር ካብ ብዙሕ ምንቅስቃሳት ዓቂብዋ ይርከብ።

47 ኣባላት ፖሊስ ክቖስሉ ከለዉ፡ 60 ካብ ተቓወምቲ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ወኪል ዜና ፈረንሳ-ኤኤፍፒ ንፖሊስ ጸሪሑ ከም ዝጸብጸቦ፡ ዛጊት 15 መራኸቢ መገዲታት ካብ ተቓወምቲ ነጻ ክኾኑ ኪኢሎም ኣለዉ።

ሓደ ካብ ተቓወምቲ “ፖሊስ ንሰባት ብምኽንያት ሕብሪ ቆርበቶም ምቕታል ደው ክሳብ ዘየበለ፡ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና” ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

“እዚ ተግባር መሊሱ ክፍጸም ድዩ ኣይኮነን ዝብል: ኣይንፈልጥን” ኢሉ ነቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ ቅትለት ብምዝኽኻር።

ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ብሞት እቲ መንእሰይ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ሰልፈኛታት መራኸቢ መገዲታት ካብ ምዕጻው ክዕቀቡ ጸዊዑ።

ንወዲ 18 ዓመት ሰሎሞን ተካ ከም ዝቐተለ ዝተገለጸ ፖሊስ፡ ብቕትለት ነብሲ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ይርከብ።

እቲ ኣብ ግዜ ዕፍቱ ዝነበረ ፖሊስ፡ ኣብ ሞንጎኦም ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ንዝነበሩ ክልተ መናእሰይ ከረዳድኦም ከም ዝፈተነ መግለጺ ፖሊስ ሓቢሩ።

ሽዑ እቶም መናእሰይ ኣብ ሞንጎአም ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብምግዳፍ: ምስቲ ፖሊስ ክተናኾዩ ከም ዝጀመሩ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ግን ንጋዜጣ ሃሬትዝ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መጀመርታ እቲ ፖሊስ ሽጉጥ ኣውጺኡ ነቶም መናእሰይ የፈራርሖም ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

ቅትለት መንእሰይ ሰለሞን

ወዲ 18 ዓመት ሰሎሞን ተካ ኣብ እስራኤል ሃይፋ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት እዩ ተቐቲሉ።

ስነስርዓት ቀብሩ ድማ ትማሊ ሰሉስ ተፈጺሙ።

ብቕድሚ ትማሊ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ቤተእስራኤላውያን፡ ንቅትለት ሰሎሞን ተካ ብምቅዋም ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም ነይሮም።

እቶም ሰልፈኛታት ናብ ፖሊስ እምኒ ብምድርባይን ሓዊ ብምቅፃልን ዝተቓወሙ እንትኾኑ፡ ብምኽንያት እዚ ሰለስተ ፖሊስ ተጎዲኦም።

ፖሊስ ብወገኑ ዓፀፋዊ ስጉምቲ ዝወሰደ እንትኸውን፡ ብዙሓት ሰልፈኛታት ተሃስዮም እዮም።

ምንጪ: bbc ትግርኛ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com