Friday , March 29 2024
Foto: Profilbild / Örjan Leek

ቤትጽሕፈት ማሕበራዊ ጒዳያት Härnösand ብምኽንያት ምፍርራህ ተዓጽዩ።

ፖሊስ Härnösand ቤትጽሕፈት ማሕበራዊ ጒዳያት ዓርቢ መዓልቲ መጥቃዕቲ ክወርዶም ምዃኑ ብኢሜይል ድሕሪ ዝበጽሖም ምፍርራህ ከም ዝገዓዙ ገሊጹ።

እቲ ምፍርራህ ናብ ጋዜጣን እቲ ቤትጽሕፈትን ከም እተላእከን እቲ ቤትጽሕፈት ከኣ ብዘይ ምድንጓይ ጥርዓን ምቕራቦምን ተፈሊጡ።

ፖሊስ ነቲ ምፍርራህ ብዕቱብ ከም ዝሕዝዎ ሓቢሮም ኣለዉ። በዚ ድማ’ዮም ነቶን 60 ሰራሕተኛታት ዓርቢ መዓልቲ ኣብ ቤቶም ክውዕሉ ዝገበሩ።

በዚ ድማ ሎሚ ኲሉ ርክባት ተዓጽዩ እዩ ውዒሉ። ፖሊስ ምንጪ እቲ ምፍርራህ ኣብ ምጽራይ ይርከቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com