Thursday , April 25 2024
Leif R Jansson / TT

ቤትጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ብጉዳይ ሃገራዊ ጸጥታ መርመራ ምጅማሩ ተፈሊጡ።

ብመሰረት Dagens Nehiter ሃገራዊ ጸጥታ ብምጥሓስ ቤትጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ
መርመራ ዝጀመረት ምስ ኣብ ቻይና ኣምባሳደር ሽወደን Anna Lindset ምዃና ተፈሊጡ።

ቅድሚ ወርሒ ብዘይኣፍልጦ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ምስ ቻይናውያን ነጋዶ ዝገበረቶ ርክባት ድማ ዘርዚሩ።

ንሳ ኣብ ሆቴል ስቶክሆልም ምስ ጓል ቻይናዊ ኣሕታሚ Minhai ን ካላኦት ቻይናውያን ሰብ ንግዲ ምርኻባን ጓሉ ድማ ኣብ እዝዩ ኣዋጣሪ ኲነታት እኳ እንተሃለወት ኣቦኣ ክፍታሕ ኣዝያ ከም እተደሊ ከም ዝገለጸትላ ድማ ብሰፊሑ ኣቕሪቡ።

ንሳ ንባዕላ ኣፋ ክትሕዝን መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ ኣቦኣ ዝጽሕፍዎ ዘለዉ ደው ከብሉን ከተጠንቅቕ ከም እተነግራ ነዛ ኣምባሳደር ከም ዘካፈለታ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ብዛዕባ’ዚ ጒዳይ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com