Thursday , April 25 2024
Fadel Senna/TT

ቤትፍርዲ ዒራቕ ን ወዲ 15 ዓመት ሽወደናዊ ን ዓሰርተውሓሙሽተ ዓመታት ክእሰር ፈሪዱ!!

ቤትፍርዲ ዒራቕ ን ወዲ 15 ዓመት ሽወደናዊ ን ዓሰርተውሓሙሽተ ዓመታት ክእሰር ፈሪዱ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን እዚ ኰተቴን ካልእ 29 ዝዕድሚኣ ሽወደናዊትን ናብ ግዝኣት ዒራቕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምእታዎም ብኸመይ ከምዚ ዝበለ ፍርዲ ከም እተበየነሎም ንምምርማርን ንምሕጋዞምን ኣብ ምምካር ከም ዝርከብ ኣፍሊጡ’ሎ። እታ ጓለንስተይቲ ቅድሚ ናብቲ ሰብኣያ ዝነጥፈሉ ዝነበረ ቦታታት ዒራቕን ሶርያን ኣብ ዮተበሪ ምስ ክልተ ኣዋልድ ደቃ ትነብር ምንባራ ተፈሊጡ’ሎ።

ብመሰረት ሰብመዚ ሽወደን እዛ ሰበይቲ ብ 2014 እያ ንሰብኣያ ስዒባቶ ናብ ሶርያን ዒራቕን ተጓዒዛ። ሰብኣይ ኣብ 2016 ኣብ ኲናት ድሕሪ ምሟቲ ከኣ ዓሚ ምስ ደቃ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዋ ጸብጻባት የመልክቱ። እንተኾነ ግና ሰብመዚ ዒራቕ ነዘን ደቂ ምስ ኣዝማድ መዋቲ ሰብኣይ ከም ዝጸንሑ ብምግባር ነታ ሰበይቲ ናብ ፍርዲ ከም እትቐርብ ምግባሮም እቲ ዜና ብተወሳኺ ይሕብር። እቲ ሚኒስተሪ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት ሽወደን ምሕጋዝ ግዴታ ከም ዘለዎ ብምምልካት ነዛ ሽወደናዊት ብኸመይ ክትሕገዝ ከም እትኽእል ዛጊት ብልሓት ኣብ ምፍጣር ተጸሚዱ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። እታ ሰበይቲ ብወገና ናብ ዳዕሽ ኣይተጸንበርኩን ብምባል ነቲ ክሳ ኣሉታ ሂባትሉ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com