Friday , April 19 2024

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen)ኣስታት 500 ሓለፍቲ ከፋንው ምኻኑ ተፈሊጡ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ካድረታቱን ክፍልታቱን ከጒድል ምጅማሩን ኣሃዱታት ምምሕዳሩ ኣብ ሽወደን ጥራይ ካብ 24 ናብ 7 ከውርድ ምዃኑን በዚ ድማ ኣስታት 500 ዝኾኑ ሓለፍቲ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ስራሕ ክሰናብት ምውሳኑን ተፈሊጡ።

ብመሰረት እቲ በዓልመዚ 17 ማእከላት ክስረዛ ኣየን። ኣብ ምምሕዳራት Fallon, Uttipuri, Kalmar, Kristenheim, Malmo, Stockholm and Ostersund ዘለዋ ጥራይ እየን ክቕጽላ።

እቲ ቤትጽሕፈት እዚ ዝወሰነሉ ምኽንያት እንከቕርብ “ቀጻሊ ዳግመ ውደባ እቲ ትካላት ከምኡውን ምድጅታል ኣገልግሎትን ምጒዳል ባጀትን” ከም ኣብነት ጠቒሱ’ሎ።

ብረቡዕ ንግሆ ዝወጸ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ከም ዘመልክቶ እዚ ውሳኔ ምስራዝ 100 ዝኾኑ በቲ ቤትጽሕፈት ዝወሃቡ ዝነበሩ ኣገልግሎታት ከስዕብ እዩ። ኣስታት 500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ከኣ ክሰናበቱ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com