Thursday , April 25 2024
Jessica Gow/TT.

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ስርሓቱ ይዝሕትል።

ኣብ ቊጽሪ ቤትጽሕፈታቱ ጭቡጥ ናይ ምጒዳል ተርእዮ ከምዘሎን ኣብ መንጐ ደለይቲ ስራሕን ስታፍ ቤትጽሕፈትን ዝነበር ርክባት እውን እናቐሃመ ምምጽኡን ውሽጣዊ ሰነዳት ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣመልኪቱ ።

ብመሰረት እዞም ብRadio ekot ዝተመመዩ ሰነዳት ዕላማዚ ቤት ጽሕፈት 90 ሚእታዊት ጒዳያት ምዝገባ ካብ ጥቅምቲ ጀሚርካ ሰባት ባዕላቶም ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ክመልኡ እዩ ።

እዞም ሰነዳት ከም ዘመልክትዎ ኣብተን ቀዳሞት መንፈቕ ኣብ መንጐ ደለይቲ ስራሕን ስታፍ ዕዮን እንተስ ብቴሌፎን ወይ ብጻውዒት ቪድዮ ተሌኮንፈረንስ ክግበር ከም ዝግብኦ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

SKL ቆንስል ምምሕዳር ከተማታት ነዚ ተርእዮ ብምንቃፍ ናይ ደለይቲ ስራሕ ጻዕሪ መሊሱ ዘጋድድ እዩ ኢልዎ’ሎ።

“ነዚ ቋንቋ ዘይመልክዎ ሰባት ኣለዉ። ናይ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣፍልጦ ዘይብሎም ከ እንታይ እዮም ክገብሩ?” ብምባል ሓላፊት ዕዳጋ ሽቕለት SKL Bear Arn Andersson ነቲ ጒዳይ ነቒፋቶ’ላ።

“ሰባት ዲጂታላዊ ዓለም ብግቡእ ክርድእዎ ብምባል ዝያዳ ርእሰማል ኣፍሲስና’ለና።” ትብል ኣብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ሓላፊት ዲጂታላዊ ኣገልግሎት Eric Sandström።

“ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ክትዕወት ምልከት እዚ ቴክኖሎጂ ኣገዳሲ እዩ” ድማ ትብል።

ብመሰረት ሰነዳት ኣብ ኣስራሕቲ ቤትጽሕፈታት ርኡይ ምንቊልቋል ክርአ እዩ።

እቲ ምኽንያት ድማ በዓልመዚ ዕዮ ምስ 4500 ሰራሕተኛታት ዝነበሮ ውዕል ኣብ ዝቕጽል ዝስርዝ ምዃኑን ናይ ዲጂታል መዋቕሩ ምስፋሕን ስለ እተትሓሓዞን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com