Saturday , April 20 2024
Marcus Ericsson/TT

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ክሳብ 2024 ሚእቲ ሽሕ ስራሕ ክደሊ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝመጻ ሒደት ዓመታት ኣብ መዳይ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ዓብዪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ክገጥሞ ምዃኑ ተገሊጹ”ሎ።

እዚ ኲነታት ብኣግኡ እንተዘይተቐዪሩ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እዚ እተጠቕሰ ሞያ ዘለዎም ሰባት ክሳብ ዓመተ 2024 ክሰኣኑ ምዃኖም ብፍላይ ድማ መዳያት ጥዕናን ማሕበራዊ ትምህርትን በዚ ክህሰያ እየን ክብል እቲ በዓልመዚ ገሊጹ’ሎ።

ካልእ በዚ ኣዝዩ ዝጽሎ ጽላት ክፍሊ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ቀረብ ሞያ ዓቢ ተራ እዩ ዝጻወት።

እንተኾነ ኣስራሕቲ ጽቡቕ ደሞዝን ክንክንን ብምግባር ሰባት ተማሂሮም ሰብሞያ ንክኾኑ ከተባብዑ ይግባእ” ክብል Aleni Miros ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com