Friday , April 19 2024

ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን (SCB)፡ ዘገምታዊ ቁጠባዊ ምምሕያሽ ይረአ ኣሎ ኢሉ

ኣብ ወርሒጥሪ 2021፡ መጠን ጥፈታት ቁጠባ ሽወደን፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ0.9% ዕቤት ከምዘርኣየ መባእታዊ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን (SCB) ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ መጠን ዕብየት፡ ነቲ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣንቆልቊሉ ዝጸንሐ’ሞ ኣብ ወርሒ ጥሪ ወሰኽ ዘርኣየ ዕዳጋታት ኣባይቲ ዘጠቓለለ ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ይገልጽ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተራእየ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ካብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ጀሚሩ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ናይ ፈለማ ምዃኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን፡ ክኢላ ቁጠባ ዝኾነ ማትያስ ከይን ኣብ ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com