Tuesday , April 23 2024

ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ን ፓስፖርት ዝምልከት ሓድሽ ሓበሬታ ኣውጺኡ

ካብ ሎሚ ዕለት 14 ጥሪ 2021 ዝኾነ ሰብ ፓስፖርት ማለት främ­lings­pass ወይ rese­do­kument  ከመልክት ወይ ከሐድስ ምስዝደሉ ብቐጥታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ኢመግረሽን ብምእታው ብ ቐጥታ ኦንላይን ብመንገዲ Bank Id ክሓትትን ከሔድስን ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኦንላይን ብምእታው ናይ ሙሉእ ስድራቤት ምስ ትሕቲ ዕድሜ ህጻናት ብመንገዲ ባንክ ኣይ ዲ Bank Id ከመልክት ከምዝእክልን ኩሉ ክፍሊትን ኣሰር ኣጻብዕቲን ክገድፍ ከምዝኽእል ይሕብር። ኩሉ ዓይነት ዘመልኮቶ ፓስፖርት ተሰሪሑ ምስ ተዳለወ ድማ ብምልክዕ ደብዳቤ ክሕበር ሙዃኑን ካብ ዘየድሊ ወጻኢታትን ግዜን ቖጣቢ ገይሩ ከምዝተዳለወን እቲ ብወረቀት ናይ ምሕታት መስርሕ እውን ከም ቀደሙ ከምዝቕጽል እዩም ዝሕብሩ ዘለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com