Wednesday , April 24 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዋሕዲ ገንዘብ ከም ዘሻቐሎ ይገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ዝሓለፈ ዓመት 2018 ናይ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ምጽባይ ግዜ እኳ እንተጒደለ ብምኽንያት ምጉዳል ባጀትን ዓቕሚ ሰብን ስርሑ ብኣሉታ ይጽሎ ምህላዉ ገሊጹ።

ኣብ 2018 ናይ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ትጽቢት ግዜያት እንተላይ ፍቓድ ስራሕ ትምህርትን ምጥርናፍ ስድራን እናሓጸረ ምምጽኡ ይፍለጥ።

እዚ ክፍሊ ኣብ ዘውጾኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ስርሑ ብዕዉት ምስልሳሉ ዛጊት ከኣ ናይ 350 ሽሕ ጒዳያት ምምላሱን ኣፍሊጡ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ነቲ ክፍሊ ዝወሃብ ባጀት ምስ ናይ 2017 እንክረአ ብ 800 ሚልዮን ክሮነር ምጒዳል ኣርእዩ’ሎ።

እዚ ናብ 11 ሚእታዊት ዝግመት ምጒዳል ኮይኑ ዓቕሚ ሰብ ከኣ ካብ 8 ሽሕ ናብ 6 ሽሕ ነክዩ’ሎ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ኣብ ሓሙሽተ ቦታታት ዘሎ ቤትጽሕፈቱ ክዓጹ ምስ ምሕሳቡ ኣብ 2019 እዚ ምጒዳል ሰራሕተኛታት ክቕጽል እዩ።

“ኣብ ሓጺር ግዜ ከምዚ ዝበለ ምዕባለ ዘርኣየ ክፍሊ ኣነ ብወገነይ ርእየ ኣይፈልጥን” ይብል ዳይረክተር ጀነራል ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ማይክል ረብንቪክ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ።

Maja Suslin/TT

ቅልጡፍ ውድቀት እዚ ክፍሊ እገዳሲ ክኢላዊ ዓቕሚ ከጥፍእ ይኽእል እዩ ክብል ከኣ ስግኣቱ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com