Thursday , April 25 2024

ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ግብሪ ሃገር Skatteverket ኩሉ ሰብ ካብ ሰርሰርትን መደናገርትን ክጥንቀቑ ይሕብር።

ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ግብሪ ሃገር፣ ማለት Skatteverket ብምኽንያት ግብሪ ንዝምለሰሎም ሰባት ምኽፋል ምጅማሩ ተኣሳሲሩ ካብ ሰርሰርትን መደናገርትን ብመገዲ sms ከምኡ እዉን email ናብ ዉልቀሰባት ዝላኣኽ ኤክትሮኒካዊ፣ ሰባት መልሲ ካብ ምሃብ ክቑጠቡን እንተተኻኢሉ ነቲ ዝመጽእ መልእኽትታት ምድምሳሱን ምጉሓፉን ተመራጺ ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ።

ኩሎም ብመገዲ ዲጂታላዊ መገዲ ዓመታዊ መደቓቀሲ ግብሪ ማለት deklaration ዝላኣኹ ሰባት ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ስጋብ ጽባሕ ሓሙስ ገንዘብ ንዝምለሰሎም ሰባት ገንዘብ ካብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ክምለሰሎም ብምጅማሩ ተኸቲሉ ከምዚ ዓይነት መልእኽትታት ካብ መደናገርቲን ሰርሰርትን ይላኣኽ ስለዘሎ፣ ህዝቢ ጥንቃቐ ክገብር ከምዘሎዎ እቲ ባዓል መዚ ኣፍሊጡ። ቢት ዝሕፈት ግብሪ ሽወደን ብመልክዕ sms ይኹን Email መልእኽትታት ከምዘይሰድድ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com