Friday , March 29 2024
Marcus Ericsson/TT

ቤት ጽሕፈት ዕዮ arbetsförmedlingen ሽወደን መጻኢ ዕማማቱ ተንቲኑ ንዉሳነ ከቕርብ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ዕዮ arbetsförmedlingen ከም ባዓል መዚ መንግስቲ መጻኢ መደብ ስርሑ ንዕማማቱን ከመይ ክመስል ከምዘሎዎ፣ ዝዉስን መጽናዕታዊ ትንተና ብምግባር ንዉሳነ ንመንግስቲ ከቕርብ ተኣዚዙ።

ብመሰረት ፖለቲካዊ ስምምዕ ወርሒ ጥሪ ባጀት ተቓወምቲ ንዕምማትን ንጥፈታትን ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዳግመ ስርርዕ ክግበረሉን መብዛሕቱ ዕማማቱ ብኻልኦት ብሕታዊ ትካላት ክዕመም፣ ዝብል ፖለቲካዊ ዉሳነ ከምዝተገብረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ብኡ መጠን ብመሰረት ተቓወምቲ ዘጽደቕዎ ምደባ ባጀት እቲ ቤት ጽሕፈት ዘድልዮ ገንዘብ ብዘይ ምርካቡ፣ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝርከቡ ዝዓበየ ክፋል ኣብያተ ጽሕፈቱ ብምዕጻው፣ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰራሕተኛታቱ ከሰናብት ከምዝተገደደ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ተወጢኑ ዘሎ ሓድሽ ዳግመ ስርርዕ፣ ቤት ጽሕፈት ዕዮ arbetsförmedlingen ከም መንግስታዊ ባዓል መዚ ንዕዮን ምስኡ ዝተኣሳሰር ሕቶታትን ኣብ ምምራሕ ንምቁጽጻር ንክሕጸርን፣ ጉዳይ ደለይቲ ስራሕ ንኣስራሕትን ከኣ ብካልኦት ብሕታዊ ትካላት ክዕመም ይድለ ምህላዉ መንግስታዊ ምንጭታት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com