Friday , March 29 2024

ቤት ፍርዲ ሽወደን ህጻን ጓል 9 ዓመት ብምግሳሱ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲን ካብ ስዊድን ምስጓጒን ፈሪድዎ::

ኣብ ማልም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሽወደን ሓደ ስብኣይ ን ጓል 9 ዓመት ህጻን ብምግሳሱ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲን ምስጓጒን ፈሪድዎ።

ቤትፍርዲ ብተወሳኺ ንግዳይ 17 ሽሕ ክሮነር ካሕሳ ክኸፍል በይንሉ’ሎ። እዚ ዘጋጠመ ሰላሳ ዝዕድሚኡ ስብኣይ ነታ ህጻን ኣታሊሉ ናብ መኻዚኖ ብምእታው ብሓይሊ ድሕሪ ምዕማጹ’ዩ።

ኣብ ኣጋ ምሸት እቲ ሰብኣይ ብገዛእ ባዕሉ ኢዱ ናብ ፖሊስ ብምስትላም ገበኑ ተናዚዙ። ኣብ እዋን ምግሳስ ኣውያት ግደፊ እናበለ ነታ ህጻን ብተደጋጋሚ ኣብ ገጻ ይሃርማ ምንባሩ ተፈሊጡ።

ገለ ሰባት እዚ ሰብኣይ ባዕሉ ገበኑ ተኣሚኑ እናሃልወ ፍርዱ ክንድዚ ክናዋሕ ኣይነበሮን ዝብል ርእይቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com