Thursday , April 25 2024
Credit: Björn Larsson Rosvall / TT

“ቤት ፍርዲ ይግባይ ሽወደን” ን ሰራሕቲ ሰነዳዊ ፊልም መርከብ ኤስቶንታ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ፍርዲ ደጊፉ።

ክልተ ሰራሕቲ ሰነዳዊ ፊልም፥ ኣብ ዝጠሓለት መርከብ “ፌሪ”–ኤስቶንያ– ዝገብርዎ ምትእትታው ኣመልኪቱ ንዝተዋቦም
ናይ ገበነኛ ፍርዲ ከም ዝድግፍ “ቤት ፍርዲ ይግባይ ሽወደን” ገሊጹ። መርከብ “ፌሪ”–ኤስቶንያ– ኣብ 1994 ካብ ታሊን ናብ
ስቶክሆልም እናተጓዕዘት ብሰንኪ ሕማቕ ክሊማ እያ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ጥሒላ። እቲ ቤት ፍርዲ ይግባይ ብዘይካዚ ንሄንሪክ
አቨርትሶንን ሊኔስ ኣንደርሾንን ዝተበየነሎም ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ከም ዝውሰኽ ጌሩ’ሎ። እቶም ኣዳለውቲ ፊልም ብወገኖም

ካብ ጀርመን ብ ጃልባ ስለ እተሳገሩ እቲ ን ዝጠሓለት መርከብ ተባሂሉ ዝወጸ ሕጊ ከም ዘይምልከቶም ብምጥቃስ ተኸራኺሮም
እዮም።
ብሰንኪ እቲ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣብ መርከብ “ፌሪ”–ኤስቶንያ–ዝነበሩ 852 ሰባት ምሟቶም ሬድዮ ሽወደን ዘኪራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com