Thursday , April 25 2024

ብሌይዝ ካምፓኦረ፡ ብቕትለት ሳንካራ ተኸሲሱ

ፕረሲደንት ቡርኪናፋሶ ነበር፡ ብሌይዝ ካምፓኦረ፡ ብቕትለት ቶማስ ሳንካራ ናብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ ክብል ን ወተሃደራዊ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ብምጥቃስ ወኪል ቢቢሲ፡ ኖዌል ኤብሪን፡ ሓቢሩ።

ብሌይዝ ካምፓኦረ፡ ኣብ 1987 ን ቶማስ ሳንካራ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ኣልዩዎ። ቶማስ ሳንካራ፡ ኣፍሪቃዊ ቼ ጉቬራ፡ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥን ኣዝዩ ፍቱው መራሒ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ካምፓኦረ፡ ኣብ 2014 ስልጣኑ ዘናውሕ ሕጊ ከርቅቕ ድሕሪ ምፍታኑ ብዝተላዕለ ናዕቢ፡ ናብ ስደት ምምርሑ ይፍለጥ። ኣብ 2015፡ ድማ ተታሒዙ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርብ ተጌሩ።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ጸጥታ ሃገር እጥቂዕካ፡ ኣብ ቅትለት ተሳቲፍካ፡ ሬሳ መዋቲ ኸኣ ሓቢእካ ዝብል ክስታት ቀሪብሉ ኣሎ። ብዘይካ ካምፓኦረ፡ 13 ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ክስታት ቀሪብሎም ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዛጊት ዝድለዩ ክሱሳት እውን ናብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣትዉሉ ሕጋዊ ፍቓድ ፖሊስ ካብ ቤት ፍርዲ ከም እተዋህቦ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com