Saturday , April 20 2024

ሽግር ኣባይቲ ኣብ ምጥርናፍ ስደተኛታት ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ምህላዉ ተገሊጹ።

ካብ ጽድያ 2016 ኣትሒዙ ኩለን ምምሕዳራት ከተማ ኣብ ሽወደን ናይ ዑቕባ መሰል ንዝረኸቡ ሰባት ብሓባር ሓላፍነት ክውስዳ ሕቶ ቀሪቡለን ኣሎ። ንሳተን ኣብ ሽወደን ክጥርነፉን እግሪ ክተዝኽሉን ናይ ኣባይቲን ቋንቋን ሓገዝ ክገብራሎም እየን።
እንተኾነ ግና ብመሰረት ምምሕዳር ሽወደን ዘውጽኦ ሓድሸ ጸብጻብ እዘን ምምሕዳራት ነዚ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ  ይትግብሮኦ የለዋን። ናይቶም ሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ባህጊ ዝጽግዑሉ ቦታ ምንዳይ እዩ። ምምሕዳር ከተማታት ከኣ ግዜያዊ   ፍታሕ ጥራይ እዮም ዝህባ። ናይ መንግስቲ ናጻ ውዕል ምስ ኣብቅዐ ካብዚ ኣባይቲ ዝፈናቐሉ ኣለዉ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ምምሕዳር ከተማታት ኣብዚ እዋን ግዜያዊ መንበሪ ጥራይ እዮም ክህቡ ዝኽእሉ። ነዚ ውን ሓደ ሕምሲት ጥራይ። ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ብፍላይ ኣዝዩ ንቡር ኩነታት እዩ። ንኣብነት ሾብዓተ ዕስሪት ምምሕዳራት ስቶክሆልም ጥራይ እየን ግዝያዊ መንበሪ ዝህባ።
ዝብዘሓ ካብዘን ምምሕዳራት እዚ ዝምጻኦ ሽግር ብግቡእ ይርድኣ እየን። ዝህቡዎ ሓገዝ ሽግር ይፈትሕዶ ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ ፍርቂ ካብቶም ምምሕዳራት ከተማ ጥራይ ይሰማምዑ።  ኣብ ስቶክሆልም ካብ ዓሰርተ ሰለስተ ጥራይ በዚ ይሰማምዓ። ኣብ ስኬን ደቡብ ሽወደን ግና ካብዚ ኣዝዩ ዝተሓት እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com