Thursday , April 25 2024

ብመገዲ ኮሙን ገይሮም ገዛ ዚረኽቡ ብዙሓት እዮም

BostadTT

ኣብዘን ዓሰርተ ዓመታት፡ ቍጽሪ ናይቶም ገዛ ንኽረኽቡ ናይ ኮሙን ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ዕጽፊ ኾይኑ ኣሎ፡ ይብል ኤኮት ስቨርየስ ራድዮ።

ኣብ 2008 ካብ 11200 ገዛውቲ ንላዕሊ ብኮሙን ንገዛ ዘይብሎም ተኻርዩ። ኣብዚ ዓመትዚ እቲ ቍጽሪ ናብ ዳርጋ 24000 ደዪቡ። መጀመርታ እቶም ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎም ጥራይ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፡ ሕጂ ግን እቶም ትሑት እቶት ዘለዎምን ኣራኸብቲ ዚስእኑን ከይተረፉ ሓገዝ ይደልዩ ኣለዉ።

ግን እተን ኮሙናት ከም ዘይቀጥታዊ ኣካረይቲ ኪኾና ከለዋ፡ ኣማራጺ ናይ ክራይ ዕዳጋ ኪፍጠር ድማ ክኢሉ። ይኹንምበር እቲ ምስ ኮሙን ዚግበር ውዕል ገዛ ናብቲ ልሙድ ናይ ገዛ ዕዳጋ ከይመርሓካ ይኽእል እዩ።

ብመሰረት ናይቲ ብ 2015 ብቤትጽሕፈት ኪራይን ኣባይትን እተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ 10 ሚእታዊት ዚውሕዱ ጥራይ እዮም ብመገዲ ኮሙን ገዛ ምስ ተኻረዩ ውዕል ኪራይ ኪውንኑ ዚኽእሉ፡

Arkivbild.

Martina Holmberg / TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com