Friday , March 29 2024

ብማዕርነት ሕጊ ጾታታት ዝመጸ ሽወደን ካብተን ዝበለጻ ሃገራት እያ ተባሂሉ።

ባንክ ዓለም ኣብ ዝገበሮ መጠነ ሰፊሕ መጽናዕቲን ጸብጻብን እዩ እዚ ዝተገልጸ። ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ደቀንስትዮ ሰለስተ ርብዒ መሰል ደቂተባዕትዮ እዩ ጸኒሑወን።

እዚ ድማ ስራሕ ኣብ ምርካብን ናይ ባዕለን ዋኒን ኣብ ምክያድን ዕንቅፋት ይኾነን ኣሎ።

“ደቀንስትዮ ምሉእ ዓቕመን ዝጥቀማሉ ኲነታት እንተዝጣጣሕ ዓለም ብፍትሒ ጥራይ ዘይኮነ ብጸጋ እውን ምበልጸገት ኔራ” ትብል ወኪል ፕረሲደንት ባንክ ዓለም ክሪስታሊና ጂኦርጄቫ።

“ዛጊት 2.7 ቢልዮን ደቀንስትዮ ዓለምና ብስንኪ ጾታዊ ኣድልዎ ሰብኡት ዝሰርሕዎ ስራሕ ከይሰርሓ ይኽልከላ ኣለዋ” ኢላ።

ይኹን’ምበር ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ርኡይ ምዕባለ ከም እተመዝገበ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

መመልከቲ ኣሃዝ ካብ 70 ናብ 75 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ከኣ ክሳብ 100 በጺሑ’ሎ።

131 ሃገራት 274 ጽገናታት ብምግባር ደቀንስትዮ ኣብ ስራሕ ክዋፈራ ዝኽእለን ሕግታት ኣተኣታትየን ኣለዋ።

ገለ ካብዚ ምምሕያሻት ኣብ ቦታ ስራሕ ዝፍጠር ጾታዊ ዓመጽ ብምውጋድ ድሕነት 2 ቢልዮን ደቀንስትዮ ምሕላው ዝብል ሕጊ ምትእትታዉ ይጥቀስ።

22 ሃገራት ከኣ ነቲ ንደቀንስትዮ ካብ ኢንዱስትርያዊ ዞባ ዝእግድ ሕጊ ብምስራዝ ዓቢ ተበግሶ ወሲደን ኣለዋ።

ኣብዚ መሪሕ ደረጃ ሒዘን ዘለዋ ሽወደን ቤልጄም ፈረንሳ ላቲቭያን ዴንማርክን 100 ካብ ሚእቲ ከመዝግባ እንከለዋ 56 ካላኦት ሃገራት ምንም ምምሕያሽ ብዘይምግባረን ዝተሓተ ኣሃዝ ረኺበን ኣለዋ።

በንጻሩ ደቡብ እስያ ዝለዓለ ምምሕያሽ ብምምጻኡ ናእዳ ረኺቡ’ሎ። ደቡብ ምብራቕ እስያን ፓሲፊክን ስዒቦም ተረቚሖም ኣለዉ።

ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝተሓተ ኣሃዝ ማዕርነት ሕጊ ጾታትት ዘለዎ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዝተሓተ ነጥቢ( 43.37) ድማ ኣመዝጊበን ኣለዋ።

ኣብ ዝዓብያ ዘለዋ ቊጠባታት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን 79.09 ብምምዝጋብ ካልኣይ ዝለዓለ ደረጃ ሒዘን ይርከባ።

ባንክ ዓለም በሓፈሻ ኣብ ከምኒ ኣልጀርያን ሊባኖስን ዘተባብዕ ለውጢ ከም እተዓዘበ ኣስፊሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com