Saturday , April 20 2024
TT

ግብረ ሽበራ ብምምዋል 6 ሰባት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም።

ናይቶም ግብረ ሽበራ ኣብ ሽወደን ብምምዋል ናይ እተኸሱ ሽዱሽተ ተወልድቲ ዑዝበኪስታንን ኪርጊስታንን ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ’ሎ።

ሰለስተ ካብዚኣቶም ኣብ ሽወደን ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንኽፍጸም እተዋስኡ እዮም። ኣኽባር ሕጊ Peer Lindkvist ኣብዚ ጒዳይ ዘለዎ ጠመተን ይግባእ ዝብሎ መቕጻዕትን ከስምዕ እዩ።

ብመሰረት Lindkvist እዞም ሰለስተ ኣብ ማእከል ስቶክሆልም ዓብዪ ነታጒ ከጻውዱ ወጢኖም ኔሮም። ገለ ካብቲ ነዚኣቶም ዝቐረበሎም መርትዖታት ኣብ ቤቶም እተረኽበ ዝተፈላለየ ኬሚካላት ምስ ጥርጡራት ኣባላት ኣሸባሪ ውድብ ዳዕሽ ዝተጸሓሓፍዎ ናይ ኢሜይል መልእኽትን ካልእ ናይ ፕሮፓጋንዳ ስራሕን ኣብ ሞባይል ጥርጡራት ምርካቦም እዩ።

ሓደ ካብቶም ናብ ዳዕሽ ምወላ ይገብር ኔሩ ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሐ ሰብ እቲ ፍርዱን ኣብ ቀይዲ ዝጸንሓሉን ግዜ ብምምጥጣኑ ካብ ማሕዩር ምፍናዉ ይፍለጥ።

እቲ መጋባእያ ምስ ተወድአ ዓርቢ ዳግማይ ክስየምን ፍርዲ ክወሃብን ትጽቢት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com